ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ፡ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ዕግርግር ንምቁጽጻር ተዳለው


ፖሊስ ብሪጣንያ 3 ነሓሰ 2024.
ፖሊስ ብሪጣንያ 3 ነሓሰ 2024.

ጸረ ኣመንቲ እስልምና ኣድማ ዝወጠኑ የማናዊያን ብሪጣናዊያን፣ ንማእከላት ሓተቲ ዕቁባን ኣብያተ ጽሕፈታት ሰብ ሞያ ሕጊ ስደተኛታትን ንከጥቅዑ ምውጣኖምን ስዒቡ ፖሊስ'ታ ሃገር ንዝመጽእ ኣድማ ንምክልካል ይቀራረብ።

ኣብ ብሪጣንያ፣ ብሕልፊ ዝሓለፈ ሰሙን ሰለስተ ኣዋልድ ብካራ ተወጊኤን ምማተን ስዒቡ ቀተልቲ ‘ኣምነቲ እስልምና ስደተኛታት እዮም’ ዝብል ግጉይ ሓበሬታ ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ድሕሪ ምዝርግሑ ጸረ ስደተኛታትን ጸረ ኣመንቲ እስልምና ሰፊሕ ተቓውሞታት ክረኣ ጸኒሑ'ዩ።

ድሕሪ ስልጣን ምርካቦም ፈላማይ ብድሆ ዘጓነፎምን ንባዕሎም ዋና ዓቃቢ ዝነበሩን ቀ/ሚ ከይር ስታርመር ‘ንእንግሊዝ፣ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ተራእዩ ኣብ ዘይፈልጥ ህውከት ዝሳተፉ፣ ዝነውሐ እዋን ማእሰርቲ ይጽበዮም ኣሎ ክብሉ ኣጠንቂቆም።

መንግስቲ ክላዓል ንዝኽእል ዕግርግር ንምቁጽጻር 6,000 ፍሉይ ሓይሊ ከምዘዳለወን ዝኾነ ዓይነት ህውከት ንምቁጽጻር ተኽእሎ ከምዘለዎምን እቲ ዜና ሓቢሩ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG