ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ብሪጣንያ ምስ ቀ/ሚ ኢጣልያ ኣብ ከተማ ሮማ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ምስ መዘንኦም ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒን
ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ምስ መዘንኦም ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒን

ቀዳማይ ሚንስተር ብሪጣንያ ኪር ስታርመርን ምስ መዘንኦም ቀዳመይቲ ሚንስተር ኢጣልያ ጆርጂያ መሎኒን ሎሚ ሶኑይ ኣብ ከተማ ሮማ ብምርኻብ ብዛዕባ ዘይሕጋዊያን ስደተኛታት ምዝርራቦም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ፀብፂቡ።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ዓብላሊ ድምፂ ፓርላማ ዝተዓወቱ ኣባል ሌበር ፓርቲ ስታርመር ኣብ ናይ ብሪጣንያ ፖለቲካ ወሳኒ ዝኾነ ዛዕባ ዘይሕጋዊ ስደት ከም ዝዋግኡ ቃል ምእታዎም ይዝከር።

ስታርመር ናብ ከተማ ሮማ ኣብ ዝኣተውሉ ብቀ/ሚ መሎኒ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም ኣሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ትማሊ ሰንበት ኣብ መንጎ ፈረንሳን ብሪጣንያን ኣብ ዘራኽብ መስመር ብዘጋጠመ ሓደጋ ምግልባጥ ጀልባ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ኣለው። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብዚ መስመር ዘጋጠመ ሓደጋ ቁጽሪ ዝሞቱ ናብ 46 ደይቡ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት'ዚ ቁጽሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣትው ስደተኛታት ምጉዳሉ ሚንስትሪ ወሽጢ ሃገር ኢጣልያ ይገልጽ። ካብ 1 ጥሪ ክሳብ 13 መስከረም 2024፡ 44,675 ሰባት ኣብ ኢጣልያ ክኣትው ከለው ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ እዋን 125,806 ሰባት ኣትዮም ነይሮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG