ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዝን ሩዋንዳን ብቤት ፍርዲ ንዝወደቐ ውዕል ንምሕዳስ ይሰማምዓ


ብቤት ፍርዲ እንግሊዝ ውዱቕ ዝዀነ ውዕል ምስዳድ ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ሩዋንዳ ንምሕዳስ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳን ሎሚ ፈሪሞም። ናብ ሩዋንዳ ዝተጓዕዘ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዓዲ እንግሊዝ ጀምስ ክለቨርልይ፡ “ክልተ ሃገራት ነቲ ስምምዕ ንምምሕያሽ ኣብ መስርሕ ኣለዋ፡” ክብል እንከሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩዋንዳ ቪንሰት ቢሩታ ብወገኑ፡ “ነቲ ብቤት ፍርዲ ዝተላዕለ ጉዳያት ኣብ ምምሕያሽ ክንሰርሕ ኢና፡” ኢሉ።

ኣቐዲሙ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ብዝተበጽሐ ስምምዕ፡ እቶም ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ብመትረብ እንግሊዝ ኣቢሎም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ሓተትቲ ዑቕባ፡ ናብ ሩዋንዳ ሰዲድካ ጉዳዮም ኣብኡ ከም ዝጻረ ምግባር’ዩ ነይሩ።

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ሩዋንዳ ነቶም ስደተኛታት ከተጽንሕ 177 ሚልዮን ዶላር ምኽፋሉ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እዚ ብሓያሎ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ተሪር ተቓውሞ ክገጥሞ ዝጸንሐ መደብ፡ ኣብ መወዳእታ ቤት ፍርዲ እንግሊዝ ብዝሃቦ ውሳነ’ዩ ውዱቕ ኰይኑ። እቲ ቤት ፍርዲ “ሩዋንዳ ንስደተኛታት ብቕዕቲ መጽንሒት ኣይኰነትን፡” ክብል እንከሎ፡ መንግስቲ ግን ካልእ ኣገባባት ተጠቒሙ ንመደባቱ ከተግብር ምዃኑ ከፍልጥ ጸኒሑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG