ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ንተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሶማሊያ ዝውዕል 10 ሚልዮን ዶላር ትመባጻዕ


አባላት ኣትሚስ ዝኾኑ ወታሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ሶማል - ፋይል
አባላት ኣትሚስ ዝኾኑ ወታሃደራት ኡጋንዳ ኣብ ሶማል - ፋይል

ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእከል ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሶማልያ ንምሕያልን ጸጥታ እታ ሃገር ንምድንፋዕን፡ መንግስቲ ብሪጣንያ ናይ 7.5 ሚልዮን ፓውንድ ስተርሊንግ ወይ ድማ 10 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ ተመባጺዑ። ምስዚ ዝደሓረ ሓገዝ ተወሲኹ፡ ብሪጣንያ ካብ 2021 ኣትሒዛ ነቲ ተልእኾ ዝውዕል ብድምሩ ክሳብ 100 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ትህብ ኣላ።

ኣብቲ ሎሚ ረቡዕ፡ ነቲ ሓገዝ ኣመልኪቱ ዝወጽአ ጽሑፍ፡ እቲ ብኣትሚስ ዝፍለጥ ተልእኾ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጸጥታ ህዝቢ እታ ሃገርን እቲ ዞባን ዘለዎ ኣበርክቶ ብምንኣድ፡ ካልኦት ኣካልት’ውን ኣገዳስነት እቲ ተልእኾ ኣብ ግምት ብምእታው ሓገዛቶም ክቕጽሉ ጸዊዑ።

ኣብቲ ብኣትሚስ ዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝጽውዓ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ፡ ኬንያ፡ ጂቡቲን፡ ኡጋንዳን ብሩንዲን ሰራዊትን ኣዋፊረን ኣለዋ። እንተዀነ ገደብ ግዜ እቲ ተልእኾ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ምስ ኣብቅዐ፡ ኣብቲ ብኣውሶም ዝብል ኣሕጽሮ ቃላት ዝጽዋዕ ተልእኾ፡ ሶማሊያ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብኡ ከይጽንበሩ ሓቲታ ኣላ። እዚ ውሳነ ድሕሪ’ቲ ኣከራኻሪ ስምምዕ መዘከር ኢትዮጵያን ርእሰ-ምምሕዳር ሶማሊላንድን ምዃኑ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG