ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

እንግሊዝ -- ካብ ኢትዮጵያ ዝተዘምተት ዋልታ ካብ ጨረታ ትእለ


ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ቅርስታት ዘጫርት እንግሊዛዊ ትካል፡ ድሕሪ ዝሰዓቦ ጸቕጢ፡ ካብ ኢትዮጵያ ንዝተዘምተት ዋልታ ካብ ጨረታ ኣልዩ ኣሎ።

እታ ዋልታ ኣብ 1868 ኣብ መንጎ ሰራዊት እንግሊዝን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ መቕደላ ዝተሰልበት ምዃና ተፈሊጡ ኣሎ።

እቲ ኣጫራቲ ትካል ነቲ ዝመጽኦ ጥርዓናት መርሚሩ ነቲ ውሳነ ክወስድ ከም ዝተደረኸ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ውሳነ “ለባም ተበግሶ” ክብል ንኢዱዎ ኣሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዌስትሚኒስተር ዝርከብ ሓደ ቤተ ክርስትያን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተዘምተ ጽላት ንምምላስ ድሉው ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ።

“ውግእ መቕደላ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ኣብ መንጎ ሃጸይ ቴድሮስን ሰራዊት እንግሊዝን ድሕሪ ዝተኻየደ ኲናት፡ ሰራዊት እንግሊዝ ኣስታት 13-ሽሕ ዝግመት ንብረት ካብ ኢትዮጵያ ምዝማቶም ይዝከር። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መስከረም ካብ መንጎ’ቲ ዝተዘምተ ቅርስታት ሰለስት ኩባያታት ነሓስን ሓንቲ ዋልታን ናብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ሎንዶን ምምላሱ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG