ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ካብ ግጭት ዳርፉር ምህዳሞም ሕ/ሃ ገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ሱዳን ምዕራብ ዳርፉር ህውከት ኣብ ዝቐፀለሉ ኣሽሓት ሰባት ካብቲ ቦታ ንምህዳም ምግዳዶም ቀፂሎም።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ወሃብቲ ህፁፅ ደገፍን ደማዊ ግጭት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ልዕሊ 115,000 ሱዳናዊያን ስደተኛታት ንደሕንነቶም ብምስጋእ ቻድ ኣትዮም ኣለው። ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ነቶም ድሮ ዝኣተውን ተወሳኺ ንዝመፁን ንምሕጋዝ ምስ መንግስታትን ኣብ ኩለን ጎረባብቲ ሃገራት ምስ ዝርከቡ መሻርኽትን ብቐረባ ይሰርሕ ኣሎ።

ቶኽሲ ጠጠው ንምባል እንተተሰማምዑ እውን ውግእን ኩነታት ፀጥታን እናገደደ ቀፂሉ ኣሎ። ሱዳን ንነዊሕ ግዜ ካብ ደቡብ ሱዳን፣ኤርትራ፣ሶሪያ፣ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ካብ ሪፓብሊክ ማእኸላይ ኣፍሪቃ፣ቻድን የመንን ዝመፁ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ስደተኛታት ክተተኣናግድ ዝፀንሐትን ስደተኛታት ብምዕቛብ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይትን እያ።

እቲ ናይ ሎሚ ውግእ ንልዕሊ ፹0፣000 ሰባት ኣብ ውሽጢ ሱዳን ዘምዛበለ ክኸውን ከሎ ልዕሊ ክልተ ምእትን ዕስራን ሽሕ ድማ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክሃድሙ ገይሩዎም ኣሎ።

ዑኝሕጭር ፣ውድብ ጥዕና ዓለም፣ፕሮግራም ምግቢ ዓለም፣ ዩኒሴፍን ካልኦት ዓለምለኸ ትካላትን ምግቢ፣ማይ፣ ጥዕናን ካልኦትን ኣብ ምቕራብ ብዕቱብ ይሳተፉ ኣለው።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG