ዋሽንግተን —
ጓል 33 ዓመት ኡጋንዳዊት ኦሎምፒካዊት ኣትሌት ረበካ ቸፕተጌ ብመጻምድታ ብሓዊ ተቓጺላ ኣብ ሆስፒታል ኬንያ ከም ዝዓረፈት ተፈሊጡ።
እታ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ጉያ ተቐዳዳሚትን ኣብ ኦሎምፒክ ፓሪስ መበል 44 ተርታ ዝዛመትን ኣትሌት፡ ዓርካ ዝነበረ ላምባ ነስኒሱ ድሕሪ ምቅጻሉ’ያ ናብ ሞት በጺሓ። ዓርካ ነበር’ውን በቲ ምቅጻል ሓዊ ተተንኪፉ፡ እንተዀነ ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝተረጋግአ ኩነታት ከም ዘሎ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
እቶም መጻምድቲ ኣብ ጉዳይ መሬት ብሰንበት ድሕሪ ምክርኻሮም’ዩ፡ ዲክሰን እንዴማ ዝተባህለ መጻምድቲ እታ ኣትሌት ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሙዎ።
ሰብ-መዚ ኡጋንዳ፡ ብዛዕባ’ቲ ቅትለት ምርመራ ክግበር ንሰብ-መዚ ኬንያ ጸዊዖም ኣለዉ።
ቅጥዒ