ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣቱ ልባስ ክዳውንቲ ክእግዶ ምዃኑ ይገልጽ


ፕረዚደንት ኡጋንዳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣቱ ልባስ ክዳውንቲ ክእግዶ ምዃኑ ይገልጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:53 0:00

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣቱ ልባስ ክዳውንቲ ክእግዶ ምዃኑ ይገልጽ

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቨኒ ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣቱ ልባስ ክዳውንቲ ክእግዶ ምዃኑ ይገልጽ።እንተኾነ፡ ኩነታት ናብራ`ዩ ሕሱር ክዳውንቲ ክንዕድግ ዘገድደና ዘሎ ንዝብሉ ኡጋንዳውያን ጭንቀት ፈጢርሎም ኣሎ።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ዝርከብ `ኦዊኖ` ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሓደ ዕዳጋ ሓራጅ(ልባስ ክዳውንቲ) ብጻዕቂ ህዝቢ ተጨናኒቑ ይርኣይ።

ናብ ዕዳጋ ኦዊኖ ሃብታምን ድኻን`ዩ ዝውሕዝ፡ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝመጸ ክዳውንቲ ብሉጽ ዓይነት ተባሂሉ ይግለጽ። እዚ ክዳውንቲ`ዚ ኣመሪካውያንን ኤውሮጳውያንን ምስ ተጠቐምሉ ኣብ መንጎ ኮይኖም ብዝኸስቡ ነጋዶ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገዓዘ`ዩ፡ ብቢልዮናት ዶላራት ዝቑጸር ንግዲ ድማ`ዩ። በመሰረት ኣብ 2017 ዝወጸ መጽናዕቲ ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኣይ.ዲ )፡ ኣብ ሸውዓት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ክልተ-ሲሶ ዝኾኑ ኣህዛብ ካብ ሓራጅ ዝተለብሰ ክዳን ይዕድጉ።

ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ንምእታው ሓራጅ ምዕራባውያን ዝእግድ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ`ሎ። እንተኾነ ሕጋውነቱ ገና ኣይጸደቐን ፡ሰበ-ስልጣን`ውን ከተግብርዎ ኣይጀመሩን። ካልኦት መንግስታት ኣፍሪቃ `ውን ንምእታው ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለ ክዳውንትን ጫማን ክእግዱ ይፍትኑ`ለዉ፡ገለ ወገናት ንዝተደርበየ ከም ምልቃም`ዩ ክብሉ ከለው ካልኦት ድማ ንዘቤታዊ ፍርያት ዘዳኽም`ዩ ይብሉ።

ንቡሩንዲ፡ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ሩዋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ታንዛንያን ኡጋንዳን ዝሓቁፍ ደንበ ንግዲ ኮሚኒቲ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ካብ 2016 ጀሚሩ፡ ንምእታው ናይ ሓራጅ ክዳውንቲ ናይ ምእጋድ እማመታት ከቕርብ ጸኒሑ`ሎ። እንተኾነ እተን ኣባል ሃገራት ብማዕረ ቅልጣፈ ከተግብርኦ ኣይክኣላን፡ ንሱ ድማ ካብ ዋሺንግተን ብዝመጽእ ጸቕጢ ምዃኑ ይንገር።

ሕጂ ግን እቲ ብፕረዚደንት ኡጋንዳ ዝተዋህበ ናይ ምእጋድ ትእዛዝ ኣብ መንጎ ነጋዶ ጭንቀት ፈጢሩ`ሎ፡ እንተ ተተግቢሩ ድማ ዓቢይ ቅልውላው ከም ዝፈጥር ይግለጽ ኣሎ። ኣብታ 45 ሚልየን ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ፡ ካልኣይ ልባስ ንምዕዳግ ናብ ዕዳጋ ሓራጅ ዝወርድ ቁጽሩ ብዙሕ`ዩ። ገሊኡ ክዳውንቲ `ውን ሓዲሽ ተባሂሉ`ዩ ዝሽየጥ'ዩ።

ግሪን ሾፕስ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥን ኣብ ምሻጥ ሓራጅ ክዳውንቲ ዝነጥፍን ድኳን፡ ዝሰርሕ ግለን ካሉንጊ ዓማዊሉ ዝፈትውዎ ክዳውንቲ ይዕድግ። እንተኾነ ኩሉ ናብ ኡጋንዳ ዝኣቱ ኣጻሪናን ግቡእ ሰነዳት ሒዝናን ኢና ነእትዎ ይብል። ካልኦት ድማ ነቲ ንብረቶም ካብ ቻይና `ውን ከም ዘምጽኡ ይዛረቡ። ስለዚ መንግስቲ ኣብ ጠቕሚ ዝወዓለ ክዳውንቲ ምእታው እንተኣጊዱ፡ ብዙሓት ነጋዶ ናብ ድኽነት ክኣትዉ`ዮም ክብል ዘጠንቅቕ፡ ኣቦመንበር ማሕበር ነጋዶ ካምፓላ ታድዩስ ሙሶኪ፡ እንተወሓደ እቲ መስርሕ ምእጋድ ካብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝኣቱ ናይ ሓራጅ ክዳውንቲ ቀስ እናበለ ዝትግበር ዘገምተኛ ክኸውን ኣለዎ ይብል።

ካልእ ነጋዳይ ሓራጅ፡ ኣብ ኡጋንዳ ናብራ ኣዝዩ ክቡር ምዃኑ ብምግላጽ "ስርሐይ ንሱ`ዩ፡፡ እዚ እንተ ተኣጊዱ ግን ሸቕሊ-ኣልቦ ኮይነ ክተርፍ እየ፡ ንሱ ማለት ድማ ዝበልዖ የብለየን" ይብል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG