ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኡጋንዳ ኣድማ ምስጛም ናብ ስራሕ ተዓንቂፉ


መንግስቲ ኡጋንዳ፣ነቲ ኣድማ ምስጓም ናብ ስራሕ ዝብል ሰልፊ ዳግም ንከይላዓል ዝእግድ ተወሳኺ ስጉምቲ ይውስድ‘ሎ።እቲ ሰልፊ ኣብ ኣብያተ-ፅሕፈት መንግስቲ ንዝራኣይ ብልሽውናን ግኑን ዝቅባበን ብምቅዋም‘ዩ ተባሪዑ።እዚ ምዕባለ‘ዚ፣ገለ ሰባት፣እቶም ነዊሕ ዘመን ዝመርሑ ፕረዚደንት ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ‘ደኾን ይደፍኦም? እናበሉ ይሓቱ።

ዓይኒ ዓለም ናብ‘ቲ ኣብ ምህዳን ቀዛፊን ናፅነት ሊብያን ኣብ ዘቋምተሉ ጊዜ፣ኡጋንዳውያን ብናይ ገዛእ-ርእሶም ለውጢ‘ዮም ተጨኒቆም ዘለው።መንግስቲ ኡጋንዳ 25 ዓመታት ኣብ ዘቁፀረሉ እዋን፣ብዙሓት ዜጋታት፣ብብልሽውናን ሕማቅ ቁጠባዊ ምሕደራን ኣማሪሩዎም‘ሎ።

ኣድማ ምስጓም ናብ ስራሕ፣ንፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ ከቢድ መልእኽቲ ከሕልፍ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለዎም እቶም ተቃወምቲ።ኣብ‘ቲ ሰልፊ ዝሳተፉ ሰባት፣ማካይኖም ንድሕሪት ገዲፎም ብእግሮም ንክጓዓዙ ዝወሰኑ‘ውን‘ዮም። ብጠንቂ ምኽባር ዋጋ ነዳዲ‘ዮም ዝቃወሙ ዘለው።

እዚ ሰልፊ ዝሓለፈ ሚያዝያ ክጅምር ከሎ፣ህውከት ተላዒሉ ትሻዓተ ሰባት ተቀቲሎም‘ዮም።ኣብ‘ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተካየደ ሰልፊ ግና፣ፖሊስ ንዘንብዕ ጋዝ ተጠቂሙ፣ንመራሕቲ‘ቲ ሰልፊ ድማ ብገበን ክሕደት ከሲሱ፣እሱራት ናይ ገዛ ገይሩዎም።ድሒሩ ክካየድ መደብ ዝተታሓዘሉ ሰልፊ፣ብሰንኪ መራሕቲ ስለዝተኣሰሩ ብቀንፈዘው‘ዩ ሓሊፉ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ ኣብ ልዕሊ‘ቲ ሰልፊ ሪኢቶ ኣይሃቡን ኣብ‘ዚ ቀረባ። ፖሊስ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ግና፣ናይ ቀዳም ሰልፊ ዝተከልከለ፣ፈቃድ ስለዘይተሃበ‘ዩ ኢሉ‘ሎ።ቅድም ኢሉ ዝወፀ መግለፂ ፖሊስ፣ነቶም ተቃወምቲ፣ ንሰላም ህዝቢ ክዘርጉ፣ንመንግስቲ ክግልብጡ ወጢኖም ኢሉ ዝኸሰሰ ነይሩ።

ኣብ ቤቶም ንክፀንሑ ዝተኣዘዙ መራሒ ተቃወምቲ ኪስይ ቤስጅየ ብወገኖም፣ማዕረ እቶም ኣብ ግብፂ፣ቱኒስያን ሊብያን ንመለኽቲ ዘንበርከከ ህዝባዊ ማዕበል ከንቀሳቅስ’የ ዝብል እምነት የብለይን ይብሉ።

ብስጅየ ”ናፅነተይ ንጊዚኡ ክግድብዎ ይኽእሉ ይኾኑ።ኣብ መወዳእትኡ ግና፣ ርግፀኛ‘የ ነዚ ምልካዊ ስርዓት ክንስዕሮ ኢና።ከም’ቲ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትና ዝገበርዎ ማለት‘ዩ” ይብሉ።

ኣብ ኡጋንዳ ህዝባዊ ዘይዕግበት ሱር ሰዲዱ‘ሎ።ኣብ መስከረም ሃገራዊ መጠን ዝቅባበ ኣብ ዝሓለፉ ዕስራ ዓመታት ተራእዩ ብዘይፈልጥ ኣገባብ 28 ሚእታዊ ክዘብጥ ከሎ፣ንመብዛሕተኦም ኡጋንዳዊያን ናይ ዕለት መግቢ ምርካብ ከቢድ ገይሩዎ‘ሎ።

ኣባል ሶሾል ዴሞክራቲክ ፓርቲ ሚካኤል እምቤይክ፣መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ፀጋታት‘ታ ሃገር ዘለዎ እጀታ ብልጫ ኣለዎ ይብል።

ማባይክ ወሲኹ ”ነዛ ሃገር ንምምሕዳር ብቁዕ ፀጋታት ኣለና ኢልና ኢና ንኣምን።ሕማቅ ዕድሎት ኮይኑ ግና፣ብኣፅብዕቲ ዝቁፀሩ ሒደት ሰባት፣ ንሃብቲ‘ዛ ሃገር ብሒቶምዎ ኢኻ ትሪኢ።ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ 25 ዓመታት፣ ሃብቲ ዘጥረየ ውልቀ-ሰብ፣ብቀጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ምስ‘ቲ ስርዓት ዝተኣሳሰር‘ዩ” ዝብል ገምጋም ኣለዎ።

ንነዊሕ ኣብ ስልጣን ዝፀንሑ መራሕቲ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ካብ ስልጣን ክወርዱ ክትሪኢ ከለኻ፣ሚስተር ሙሰቨኒ‘ደኾን ይኾኑ እቶም ቀፃላይ ባዓል ዕፃ ኢልካ ክትሓትት ከምትግደድ ገለ ወገናት ይዛረቡ።

ሚስተር እምቤይክ ግና፣መንግስቲ ኡጋንዳ ካብ‘ቲ ኣብ ቱኒስያ፣ግብፂን ሊብያን ተመክሮ ስለዝረኸበ‘ዩ፣ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ክካየድ ዝነበሮ ተቃውሞ ቀልጢፉ ዝኾሎፎ ይብል።

ተንታኒ ፖለቲካ ዝኾነ ኒኮለስ ሲንጎባ ግና፣ኩነታት ኡጋንዳ ካብ‘ቲ ናይ ሰሜናዊ ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ‘ዩ፣ስለዚ ለውጢ ክመፅእ እንተኾይኑ፣ካብ ውሽጢ ገዛኢ ፓርቲ‘ዩ ክነቅል ዘለዎ ዝብል ገምጋም ይህብ።

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG