ምስ ኣሜሪካ ተፀምቢሩ መፀዋዕታ ዘቅረበ በይነ-መንግስታት ምብራቅ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፣ኡጋንዳ ካብ ደቡብ ሱዳን ሰራዊታ ንክተውፅእን ተናሓናሕቲ ወገናት‘ታ ሃገር ፖለቲካዊ ፍታሕ ንሰርሕሉን ዕድል ክዋሃቦምን ገሊፁ‘ሎ።
ብሪክ መቻር ዝምራሕ ደምበ ተቃወምቲ ደቡብ ሱዳን፣ሰራዊት ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን እንተፀኒሖም ካብ‘ቲ መኣዲ ልዝብ ክንወፅእ ኢና ኢሎም ኣጠንቂቆምም‘ዮም።
ንኢጋድ ዝመርሑ ቀ/ሚ ኢትዮዽያ ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ፣ኡጋንዳ ሓይልታታ ካብ ደቡብ ሱዳን እንተዘይሲሒባ፣እቲ ግጭት ናብ‘ቲ ዞባ ክጋፋሕ ተኽእሎ ኣለዎ ከምዝበሉ ዝዝከር‘ዩ።
ሽዑ ”ካብ ካልእ መኣዝን ዝመፁ ረብሓታት‘ውን ኣለው።ንነብሰ-ወከፍ ረብሓታት ሃገራት ምስ ትግምግም፣ነዚ ዞባ‘ዚ ናይ ምዝራግ ተኽእሎ ኣለዎ።ምኽንያቱ ዞባዊ ፅልዋ ስለዝሕዝ።ስለዚ ብዝካኣለ መጠን ነዚ ዞባዊ ግጭት ክኸውን ዝኽእል ፅልዋ ክነውግድ ይግባእ“ ኢሎም ኣቶ ሃይለማርያም።
ወትሃደራዊ ጣልቃ ምትእትታው ኡጋንዳ ኣብ ምጅማር ግጭት ደቡብ ሱዳን‘ዩ ተኸሲቱ።ክሳብ ሎሚ ድማ ኣሳሓሓቢ ኮይኑ‘ሎ።ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ፣ሰራዊት ዝተላኣኸ ንኡጋንዳዊያን ንምውፃእን ንቁልፊ ትካላት ንምሕላውን ተባሂሉ‘ዩ ኢሎም ነይሮም።ድሒሮም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ድማ ሰራዊቶም ኣብ ውግእ ከምዝተፀመደ ኣሚኖም።
መንግስቲ ኡጋንዳ ሰራዊቱ ካብ ደቡብ ሱዳን ንምውፃእ ንዝቀርበሉ ዘሎ መፀዋዕታ ከቅልበሉ እንተኾይኑ መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፃዕሪ ዛጊድ ኣይሰመረን።መንግስቲ ገና ይማኸረሉ ከምዘሎ ግና ጠቂሱ‘ዩ።