ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓደ ቤ/ት ብዝተፈጸመ መጥቓዕቲ 42 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኡጋንዳ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ብጥሩፋት ዕጡቓት ዝተቐትሉ 42 ሰባት ትማሊ ሰንበት ምቕባር ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።ብተወሳኺ ምስ ምብራቕ ኮንጎ ኣብ ዘዋስን ከባቢታት'ታ ሃገር እውን ሓለዋ ፀጥታ ከምዝወሰኸ ተሓቢሩ ኣሎ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ለይቲ ካብ ዝተቕትሉ ግዳያት መብዛሕትኦም ተማሃሮ ክኾኑ ከለው ሓደ ናይቲ ቤት ትምህቲ ሓላዊን ካልኦት ሰለስተ ድማ ስቪላትን ምኳኖም ከንቲባ ከተማ ምፖንድወ-ልሁቢሪሃ ሓቢሩ።

ዕጡቓት ካብ ዶብ ኮንጎ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቑ ንዝርከብ ሓደ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ ብምውራር ብጥይትን ገጀራን ብዘስካሕክሕ መገዲ ነቶም ሰባት ምቕታሎም'ውን ተገሊጹ'ሎ።

ሰበስልጣን ኡጋንዳ ሽዱሽተ ተማሃሮ ተጨውዮም ተወሲዶም ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም ከምዝኣምኑ ይገልጹ።

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ነቲ መጥቓዕቲ ዝኹንን መግለፂ ብምሃብ "ኣብ መንጎ ኮንጎን ኡጋንዳን ዝረኣ ዶብ ዝሰገረ ዘይምርግጋእ ኣብ ምክልኻል ሓዊሱ ኣገዳሲ ሓባራዊ ፃዕሪ የድሊ እዩ’’ ኢሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ምስ ጉጅለ ዳዕሽ ርክብ ኣለዎ ተባሂሉ ዝእመን ኣላይድ ዲሞክራቲክ ፎርስስ (Allied Democratic Forces) ብዝተባህለ ጉጅለ ከምዝተፈፀመ ይእመን። እቲ ጉጅለ ግን ሓላፍነት ኣይወሰደን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG