ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩወሪ ሙሰቨኒ ንወዱ ዝለዓለ ወታሃደራዊ ኣዛዚ ገይሩ ሸይሙ


ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሳቨኒ ጀነራል ሙሆዚ ካይነራጉባ - ፋይል
ወዲ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሳቨኒ ጀነራል ሙሆዚ ካይነራጉባ - ፋይል

ሎሚ ሓሙስ ንዝለዓለ ወታሃደራዊ መዝነት ንወዱ ጀነራል ሙሆዚ ካይነራጉባ ዝሸመ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩወሪ ሙሳቨኒ፡ እቲ ተበግሶ ንወዱ ንኽትክኦ ንምጥጣሕ’ዩ ክብሉ ተቓወምቲ ይገልጹ ኣለዉ።

ጀነራል ካይነራጉባ፡ ኣንጻር ሕጊ እታ ሃገር፡ ኣብ ቀረባ መዓልታት ወታሃደራዊ ጎስጓስን ምትእኽኻብን ክገብር ምቕናዩ’ውን ንሓያሎ ኣዘራሪቡ’ዩ።

ኣብ 1986 ስልጣን ዝሓዘ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሳቨኒ ንሽዱሽተ እዋን ተመሪጹ ኣሎ። ዛጊት’ውን ካብ መንጎ ንሱ ዝመርሖ ሰልፊ ከም መተካእታ ክርአ ዝኽእል ሰብ ከም ዘየሎ ይግለጽ። ዝመጽእ ፕረዚደንታዊ ምርጫ እታ ሃገር ኣብ 2026 ኰይኑ፡ እቲ ወዲ 79 ዓመት ሙሳቨኒ ንሻውዓይ እዋን ክወዳደር እንተዀይኑ ኣይተፈልጠን።

ኣቦን ንወዱ ንስልጣን ይምልምሎ ኣሎ ዝብል ዘረባታት ክልተኦም ክነጽጉዎ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG