ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙሰቨኒ ሕጊ ፀረ ተመሳሳሊ ፆታ ኣፅዲቖም


ፓርላማ ኡጋንዳ
ፓርላማ ኡጋንዳ

ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩዌሪ ሙሰቨኒ ሕጊ ጸረ ተመሳሳሊ ጾታ ምፅዳቖም ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ እታ ሃገር ኣኒታ ኣሞንግ ሎሚ ሶኑይ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ሓቢረን።

ኣብ ዓለም ኣዚዩ ጥቡቕ ምዃኑ ዝንገረሉ ሕጊ እዩ። እዚ ማለት ድማ ሙሰቨኒ ነቲ ምዕራባዊያን መንግስታትን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዘስምዕዎ ኩነኔ ዘይቕበልዎ ምዃኖም ዝሕብር እዩ።

ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኣኒታ ኣሞንግ ኣብቲ ናይ ቲዊተር መልእኽተን "ሓላፍነት ዝተሰከሙ ሰባት ብዝተወሃቦም ስልጣን ነቲ ሕጊ ፀረ ተመሳሳሊ ጾታ ከተግብሩ የተባብዖም ኣለኹ። ህዝቢ ኡጋንዳ ተዛሪቡ ኣሎ ነቲ ሕጊ ብርትዕን ዘየማትእን ኣገባብ ክትፍፅሙ ግብኡኹም እዩ’’ ኢለን።

ርክብ ተመሳሳሊ ፆታ ኣብ ኡጋንዳ ከም ኣብ ካልኦት ልዕሊ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይሕጋዊ ተግባር እዩ።

ፓርላማ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ሕጊ "ዘስካሕክሕ’’ ኢሉ ብምፅዋዕ ኮኒኑዎ ኣሎ። ኣመሪካ እውን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ኤችኣይቬ/ኤድስ ዘተኮረ ፕሮግራማት ረድኤት ኣመሪካ ሓዊሱ ምስ መንግስቲ ኡጋንዳ ዝህልዎ ርክብ ከምዝምርምር ገሊፃ እያ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG