ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ዝነበሩ 54 አባላት ዓቃብ ሰላም ብመጥቃዕቲ ኣልሸባብ ምሟቶም ኣፍሊጣ


ኡጋንዳዊያን ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማል- ፋይል
ኡጋንዳዊያን ኣባላት ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማል- ፋይል

ኣብ ሶማል ተዋፊሮም ዝነበሩ 54 ኡጋንዳውያን ኣባላት ዓቃቢ ሰላም ኡጋንዳ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝተቐተሉ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ ኣፍሊጦም። ፕረዚደንት ሙሰቪኒ ብትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ ሓበሬታ ሓደ ኣዛዚ ዝርከቦም 54 ሰባት ከሲርና ኣለና ኢሎም።

ብዓቀብቲ ሰላም ዝድገፍ ሰራዊት ሶማል ካብ ዝሓለፈ ነሓሰ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ መጥቃዕቲ ካብ ዝኸፍት እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ኪሳራ ካብ መንጎ ዝኸበደ ምንባሩ ተጠቒሱ`ሎ። ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ወተሃደራዊ ክሳራ ብኣባላት ሕብረት ኣፍሪቃ ክንገር`ውን ሳሕቲ`ዩ።

ኣል-ሸባብ ብወገኑ ኣብቲ ዝሓለፈ 26 ግንቦት 2023 ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ 137 ወተሃደራት ቀቲለ ክብል ኣፍሊጡ`ሎ። ኣል-ሸባብ ዓወታቱ ከም ዘጋንን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ተልእኮ ዓቃቢ ሰላም ወተሃደራት ዘለወን ሃገራት'ውን ኪሳርአን ክኣምና ልሙድ ኣይኮነን።

ዕጡቓት ኣልሸባብ፡ ነተጉቲ ዝጸዓና መካይን ዝርከብሉ ካብ ሞቓዲሾ 75 ኪ.ሜ ርሒቑ ዝርከብ "ቡሎ ማረር" ወተሃደራዊ መደበር ከም ዘጥቅዑ፡ ነበርትን ሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሶማልን ሓቢሮም`ሎ። ፕረዚደንት ኡጋንዳ ዩወሪ ሙሰቪኒ ብወገኖም ምስ ሓለፍቲ ኣብ ዘካየድዎም ርክብ፡800 ዝኾኑ ዕጡቓት`ኳ እንተ መጽዎም ገለ ወተሃደራት በቲ መጥቃዕቲ ብምስንባድ ከምቲ ዝድለ ጽቡቕ ስራሕ ከምዘይሰርሑ ተዛሪቦም`ለው።ፕረ.ሙሰቪኒ ኣስዒቦም፡ ክልተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ንሰራዊቶም ከንሳሕቡ ብምእዛዞም ጌጋ ፈጺሞም`ዮም ብምባል ስጉምቶም ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ከምዝረኣ ሓቢሮም። እንተኾነ ወተሃደራትና ዝድነቕ ዳግመ ውዳበ ጌሮም ነቲ መደበር ዳግም ክሕዝዎ ክኢሎም`ዩም እውን ኢሎም።

ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ብወገኑ ድሕሪ`ቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ጥቓ`ቲ መዓስከር ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ከም ዘካየደ ኣፍሊጡ`ሎ። ብኣልሸባብ ንዝተወስደ ኣጽዋራትን መሳርሕታትን ከም ዘዕነወ`ውን ገሊጹ።

ዝሓለፈ ዓመት ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ነቶም ቁርዲድ ኢሉ ዝጸውዖም ጅሃዳዊ ዕጡቓት ንምጽራግ ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ምሉእ ኲናት ከም ዝኣወጀ ይፍለጥ።

ሰራዊት ሶማል ኣብ ልዕሊ ኣልሸባብ ብዙሕ ዓወታት ከም ዘመዝገበ ዝግለጽ`ኳ እንተኾነ፡ እቲ ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ሲቪላውን ወተሃደራውን ዒላማታት ቀታሊ መጥቃዕትታት ምፍጻሙ ቀጺሉ ይርከብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG