ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ኣብ ሃገራ ዘለው ስደተኛታትን ምሕጋዝ 2 ቢልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ሓቲታ


ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘሎ ኹናት ኣብ ዝተጋደደሉን ዜጋታት እታ ሃገር ዶብ ሰጊሮም ንምስዳድ ኣብ ዝተገደድሉ ኣብዚ ሕጂ ኣዋን ኡጋንዳ ካብ ዝኮነት ኣፍሪቃዊያን ሃገር ንላዕሊ 1.2 ሚልዮን ስደተኛታት ተተአናግድ’ላ፡ መንግስቲ ኡጋንዳ ነቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ንምጽዋሩ ህጹጽ ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።

ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ኸአ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዋና ከተማ ካምፓላ ኡጋንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ምስ ስደተኛታት ዘለዎም ስምረት ብምግላጽ ምላሽ ሂቡ’ሎ።

ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት መብዛሕትኦም ካብ ደቡብ ሱዳን ዝኾኑ ስደተኛታት ተተአናግድ ንዘላ ኡጋንዳ ብድምሩ 358 ሚልዮን ዶላር ንምሃብ 40 ሃገራት ቃል ኣትየን ኣለዋ።

እዚ ካብቲ ኡጋንዳ ዝሓተተቶ 2 ቢልዮን ዶላር ኣዝዩ ዝወሓደ’ዩ ኡጋንዳ ነዚ ገንዘብ ዝሓተተት ክሳብ ንዓመታ ነቶም ስደተኛታት መሰረታዊ ቀረባት ንምሃብ’ዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG