ዋሽንግተን —
መራሒ ተቃዋሚ ፓርቲ ኡጋንዳ ቦቢ ዋይን ብኸቢድ ዝተዓጥቁ ሓይልታት ፀጥታ ሎሚ ሰኑይ ንቀንዲ ቤት-ፅሕፈት ፓርቲኡ ብምኽባብ ንሓያሎ መራሕቲ'ቲ ፓርቲ ኣብ ቐይዲ ኣእትዮም ክብል ኣፍሊጡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ድሮ’ቲ ክካየድ ዝተወጠነን ብሰበ-ስልጣን ዝተኸልከለን ሰልፊ ጸረ-ብልሽውና’ዩ።
እዚ ስጉምቲ ዝተወስደ ነታ ሃገር ብትሪ ንዳርጋ 40-ዓመታት ዝመርሕዋ ዘለዉ ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ እቲ ኡጋንዳውያን ናብ ጎደናታት ንምውፃእ ምውጣኖም “ብሓዊ ምፅዋት’ዩ” ክብሉ ድሕሪ ምጥንቃቆም’ዩ።
ቦቢ ዋይን ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ካብ ርእሰ ከተማ’ታ ሃገር ካምፓላ ውፅእ ኣብ ዝበለ ካቩለ ዝበሃል ቦታ ዝርከብ ቀንዲ ቤት-ፅሕፈት ፓርቲኡ መድረኽ ሃገራዊ ሓድነት ቅድሚ’ቲ ዝተወጠነ ጋዜጣዊ መግለፂ ብሓይልታት ፀጥታ ምኽባቡን ሓያለ መራሕቲ’ቲ ፓርቲ ከምዝተኣስሩን ገሊፁ።
ወሃቢ ቃል ፖሊስ ኡጋንዳ ብወገኑ እቲ ስጉምቲ ዝተወስደ “ብሰንኪ ስግኣት ፅጥታ’ዩ፡" ድሕሪ ምባል ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለፂ ሰላም ክዘርግ ዝኽእል ብዙሕ ህዝቢ ከምዝርከብ ሓበሬታ ብምርካቡ ምኳኑ ገሊፁ።
ሰበ-ስልጣን ኡጋንዳ ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊ’ቲ ብቦቢ ዋይን ዝምራሕ ፓርቲ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ወሲዶም’ዮም ክብል ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ'ሎ።
ቅጥዒ