ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኡጋንዳ ኣጠቓቕማ ማይ ናይል ብዝምልከት ንዝነበረ መግዛእታዊ ውዕል ዝስዕር ሕጊ ንምፅዳቕ ትቀራረባ ኣላ ተባሂሉ


ኡጋንዳ ዝበዝሕ ማይ ናይል ንግብፅን ሱዳንን ዝህብ መግዛእታዊ ውዕል ንዝስዕር ሕጊ ንምፅዳቕ ካብ ኢትዮጵያ ቐፂላ ካልአይቲ ሃገር ንምዃን ትቀራረብ ኣላ።ስምምዕ ኣገባብ ምትሕብባር Cooperative Framework Agreement/ ብዝብል ስም ዝፍለጥ ውዕል ከም ኢትዮጵያ ዝበላ ላዕለዎት መፋስስ ሃገራት ሩባ ናይል ንሃይርድሮ ኤለክትሪክን መስኖን ናይ ምጥቃም መሰል ዝህብ እዩ።ላዕለዎት መፋስስ ሃገራት ማይ ናይል ንልምዓተን ወሳኒ ገይረን ይወስድኦ ኣለዋ።

ኣብ ፖለቲካ መፋስስ ሩባ ናይል ዘተሓሳስብ ምዕባለ እናተርኣየ እዩ።ግብፂ ናይ ማይ ድልየታ ምሉእ ብምሉእ ብዝብሃል ደረጃ ኣብ ሩባ ናይል ዝተመስረተ እዩ።ኡጋንዳ ነቲ ዝፀንሐ ውዕል ዝቕይር ስምምዕ ንምፍርራም ብምቅርራባ ንናይ ግብፂ ድልየት ዝሕሉ ዝፀንሐ ሕጊ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ’ሎ።

ኣብ 2010 ኣ/ፈ ዝፀደቐ ‘’ውዕል ኣገባብ ምትሕብባር’’ /Cooperative Framework Agreement ዝተብሃለ ስምምዕ ኣብ እዋን መግዛእቲ ዝነበሩ ውዕላት ዝትክእን ከም ሩዋንዳ ዝበላ ላዕለዎት መፋስስ ሃገራት ሩባ ናይል ንሃይድሮ ኤለክትሪክ ፕሮጀክትታትን መስኖን ንምጥቃም ዘኽእለን እዩ።

ምንስቴር ማይን ከባቢን ኡጋንዳ እፍሬም ካሙንታ እቲ ዝኣረገ ውዕል ንላዕለዎት መፋስስ ሃገራት ፍትሓዊ ኣይነበረን ኢሎም።’’እቲ ስምምዕ ክፍረም ከሎ እዘን ሃገራት እዚአን ኣይተሳተፋሉን፤ኣይፈረማሉን።’’ ንግብፃዊያን እትጎድእ ኣፍሪካዊት ሃገር ኣላ ዝብል እምነት ግን የብለይን ዝበሉ ንሶም ናይ ናይል ማይ ምንጪ ስልጣነ ግብፂ ምዃኑ ኣፀቢቕና ንፈልጥ ኢና ኢሎም።

ከም ኡጋንዳ ዝኣመሰላ ሃገራት ክሳብ ሎሚ ካብ ግብፂ ፍቓድ ከይረኸባ ንሩባ ናይል ወይ ንገባራት ሩባ ናይል ንምጥቃም ኣይክኣላን።ናይ መስኖ ፕሮጀክትታት ንምስራሕ ፈፂሙ ዘይሕሰብ ነይሩ።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ሃገራዊ ትልሚ ኡጋንዳ ዝሰርሑ ኣቤል ወንደይር እዚ ማይ እዚ ሕርሻ ኣፀጋሚ ኣብዝኾነሎም ደረቕ ከባቢታት ሰሜናውን ምብራቓውን ኡጋንዳ ለውጢ ናይ ምምፃእ ተኽእሎ ኣለዎ ይብሉ።ናይ መስኖ ሸምበቆ ኣብ እዋን ድርቂ ከምዝሕግዝ እውን ይጠቕሱ።

ኣብ ሩባ ናይል ከምዚ ዝበሉ ልምዓታት ንግብፂ ዋጋ የኽፍላ እዩ።ከም ናይ ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ዝበሉ ናይ ሃይድሮ ኤልክትሪክ ፕሮጀክትታት ክሳብ እቲ መዕቖሪ ማይ ዝመልእ መጠን ዝፈስስ ማይ ናይል ክቕንስ ይኽእል።ናይ መስኖ ፕሮጀክትታት ብቀዋንነት ፍሰት እቲ ማይ ክቕንስ ይገብሮ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ፕሬዝዳንት ግብፂ መሓመድ ሞርሲ ኣብ ክንዲ ሓንቲ ጦብታ ማይ ደምና ክፈስስ እዩ ክብሉ ኣጠንቂቖም ነይሮም። ኣብ ዩኒቨርስቲ ማከረረ ምሁር ናይ ልምዓት ታሪኽ ዝኾኑ ዋምቡሳያ ደበሳ ምስ ግብፂ ዝፍጠር ግጭት ዞባዊ ትርጉም ከምዝህልዎ ይገልፁ።’’ብዛዕባ ማይ ኣብ ዝካየድ ድርድር ግብፂ ምሕዝነት ሃገራት ዓረብ ትደሊ ትኸውን እያ።ናብቲ ደረጃ እቲ ከይበፅሕ ተስፋ ንገብር።ነገር ግን ግብፂ ኣብ ናይል ንዝስርሑ ግድባት ንምዕናው ደብዳብ ንምፍፃም ክትውስን እትኽእለሉ ርሑቕ ዕድል ኣሎ።እዚ ድማ ናብ ኵናት ከምርሕ ይኽእል እዩ።’’

ምንስቴር ማይን ከባቢን ኡጋንዳ ካሙንቱ ሃገሮም ነቲ ሕጊ ኣብ ቐረባ ክተፅድቖ እያ ኢሎም።ነቲ ስምምዕ ዝፈረማ ካልኦት ሃገራት ኬንያ፣ብሩንዲ፣ታንዛኒያ፣ሩዋንዳን ኢትዮጵያን እየን።
XS
SM
MD
LG