ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓድሽ ሕጊ ኡጋንዳን መረረት ደቂ-ኣነስትዮን


ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ
ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሰቨኒ
ሓድሽ ሕጊ ፀረ ፅዩፍ ኣሳእል ኡጋንዳ፣ብጌጋ ይትርጎምን ኣንፃር ደቂ-ኣነስትዮ ዝቀንዐ ጥቅዓት የብግስ ከምዘሎን ተሓለቅቲ መሰላት ደቂ-ኣነስትዮ ገሊፁ።ኣብ ርእሰ-ከተማ‘ታ ሃገር ተደጋጋሚ ቅሉዕ መጥቃዕቲን ኣልባሳት ደቂ-ኣነስትዮ ምግፋፍን ኣስዒቡ‘ሎ‘ውን ይብል እቲ ትካል።

ኣብ‘ዘን ዝሓለፋ ቁሩብ መዓልታት ኣብ ማእከል ካምፓላ፣ምሒር ሓፂር ቀሚሽ ለቢስክን ዝተባሃላ ደቂ-ኣነስትዮ ብዝተቆጥዑ ዕዋሉ ኣልባሰን ከምዝተገፈፋ ሪፖርታት ይሕብሩ።

ናብ‘ዚ ብርኪ‘ዚ ዝተበፅሐ ድሕሪ‘ቲ ቅድሚ ሰሙን ኣቢሉ ዝሓለፈ ሓድሽ ሕጊ ፀረ ፅዮፍ ኣሳእል ኮይኑ፤ኣብ‘ቲ ሕጊ ብዛዕባ ምሒር ሓፀርቲ ቀሚሻትን ቅርፂ ዘርእዩ ኣልባሳትን‘ውን ተሓዊሱ‘ሎ።

እቲ ዓንቀፃት ኣልባሳት ግና ቅድሚ‘ቲ ሕጊ ፅዩፍ ኣሳእል ምሕላፉ ክወፅእ ተገይሩ‘ዩ።እንተኾነ ምንስትር ስነ-ምግባርን ቅኑዕ ስብእናን ኡጋንዳ ሳይመን ሎኮዶ ነቲ ሕጊ ኣብ ዘፋለጥሉ እዋን፣ፆታዊ ሓባባሊ ኣልባሳት ምኽዳን ንሕጊ ዝጥሕስ‘ዩ ኢሎም ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ ምሒር ሓፂር ቀሚሽ ዝፍፀም ምንክልባት የብቅዕ ናይ ዝተባሃለ ሓድሽ ትካል ሰራሕተኛ ፐሽየንስ ኣኩሙ ብወገና ግጉይ ትርጉም እቲ ሓድሽ ሕጊ ንደቂ-ኣነስትዮ ኡጋንዳ ዘሕዝን ውፅኢት‘ዩ ኣስዒቡለን ኢላ።

“እቲ ጥፍኣት ገዚፍ‘ዩ።ዘይምለስ‘ውን‘ዩ።ደቂ-ኣነስትዮ ክዳነን ይግፈፋ ኣለዋ።ንምቅልባሱ ልዕሊ ሓደ መግለፂ፣ልዕሊ ተቃውሞ ሰልፊ‘ዩ ኮይኑ።ናብ‘ዞም ደቂ-ተባዕትዮ ኬድና፣ናብ ዝምልከቶም ኣቲና፣ኣንፃር ምልባስ ሓፂር ቀሚሽ ዝሓለፈ ሕጊ የለን ክንብሎም ኢና” ትብል ንሳ።

ኣብ ኡጋንዳ ክልተ ሕጊታት፣ፀረ ፅዩፍ ኣሳእልን ፀረ መርዓ ተመሳሳሊ ፆታን፣ብምዕራባውያን ተኾኒኖም‘ዮም።ኣብ ዓቀብቲ ኡጋንዳዊያን ግና ሰፊሕ ተቀባልነት ረኺቦም‘ለው።

መንግስቲ ንትሕዝቶ‘ቲ ሕጊ ንምብራህ እኹል ፃፅሪ ኣይገበረን ትብል ኣኩሙ፣ንባህርይ ደቂ-ኣነስትዮ ምቁፅፃር ኣብ ቀፃሊ ሃገራዊ ምርጫ 2016 ፅቡቅ ውፅኢት ከመዝግበልና‘ዩ ዝብል ገምጋም ስለዝሓዙ‘ዩ‘ውን ትብል፣

”ከምዝመስለኒ ደቂ-ኣነስትዮ መሳኺን ዒላማ ኮይናሎም ኣለና።ንኩሎም ፀገማቶም መሳበቢ ኮይና‘ለና።ኣብ‘ቲ ሕጊ ከምዘይተሓቆፈ ይፈልጡ‘ዮም።ግን ሕሳር ተቀባልነት የኽስቦም ከምዘሎ ስለዝተረድኡ‘ዩ ዝገብርዎ ዘለው።ኣብ ምርጫ ከዕውተና‘ዩ‘ዮም ዝብሉ።ብዛዕባ ህይወት ዝግደሱ ኣይኮኑን” ኢላ።

ብርክት ዝበሉ ተሓለቅቲ መሰላት፣ኣብ ልዕሊ ምንስትር ሎኮዶ ሕጋዊ ስጉምቲ ንክውሰድ ክንንቀሳቀስ ኢና ይብሉ።ክሳብ ሽዑ ግና ይብሉ እቶም ትካላት፣ፖሊስ ኡጋንዳ ንደቂ-ኣነስትዮ ክከላኸለለን ይግባእ።
XS
SM
MD
LG