ብመሰረት ትካል ጥዕና ዓለም ሕማም ሳንቡእ/ኒሞኒያ/ ኣብ ኣፍሪቃን ደቡብ ኤስያን ቀንዲ ሞት ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ህጻናት እዩ።ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ዙሪያ ዓለም ኒሞኒያ ንኣስታት ሓደ ሚልዮን ህጻናት ቀቲሉ’ሎ።
ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ህፃናት (UNICEF)ዝሰርሓ ዶ/ር ፍላቪያ ፓንጋ እቲ ናይ ትንፋስ መለክዒ መሳርሒ ነቲ ሕማም ክስሕቶ ከምዝኽእል ይገልፃ።
ኣብ ኡጋንዳ ሰለስተ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ምህንድስና ነዚ መልሲ ኣለዎም። ‘ማማ ሆፕስ’ ኢሎም ዝፀውዑዎ ‘ስማርት ጃኬት’ ብምምሃዝ ምስ ቤት ትምህርቲ ህዝባዊ ጥዕና ሙላጎ ብሓባር ክሰርሑ ፀኒሖም ኣለው።
እቶም መሃዝቲ ወዲ 26 ዓመት በፈቃዱ ሽፈራውን ወዲ 25 ዓመት ብሪያን ቱሪያባግየ እዮም።
ቱሪያባግየ ብዛዕባ እቲ ምህዞ ከምዚ ይብል።
“እዚ ጃኬት ምልክታት ኒሞኒያ ይዕቅን።መጠን እስትንፋስ፣ኩነታት ሳንቡእን ሙቐትን ይልክዕ።ሰራሕተኛ ጥዕና ነዞም ምክልታት ስዓል፣ናይ ደረት ቃንዛ፣ፀገም ምትንፋስ ሓዊሱ ማለት የንብቡዎ።ምስዞም ተወሰኽቲ ምልክታት በቲ ጃኬት ዝተዓቀነ ውፅኢት ብቑዕ ውፅኢት ምርመራ ይህብ።”
እቲ መመርመሪ ጃኬት ንግዚኡ ሞዴል ወይ መፈተኒ እንተኾነ እውን ካብቲ ልሙድ ኣገባብ መመርመሪ ብቕልጣፈ ብሰለስተ ዕፅፊ ዝዓዘዘ ምዃኑ እቶም መሃዝቲ ይገልፁ።
ቅድመ ፈተነ ስርሖም ናብ ዝዓበየ ደረጃ ክብ ክብል ንምሕጋዝ ኣብ ኮፐንሃገን ምስ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናይ ኣድሕን ከምዝተራኸቡ ዶ/ር ፓንጋ ይገልፃ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።