ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ ጥቅዓት ክፍፀሞ ይኽእል‘ዩ ተባሂሉ


መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ
መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ

ኣብ ልዕሊ ዓለም-ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኢንተቤ ኡጋንዳ፣መጥቃዕቲ ግብረ ሸበራ ክፍፀም ከምዝኽእል፣ኣብ‘ታ ሃገር ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣጠንቂቁ።

እቲ ኤምባሲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፣ብመሰረት ስለያዊ ሓበሬታ፣ዘይተነፀረ ጉጅለ ፈጠራ ራዕዲ ሎሚ ሓሙስ ካብ ንጉሆ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ኣብ ዘሎ ጊዜ ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ከጥቅዑ ውጥን ከምዝሓዙ ይገልፅ ይብል።

እቲ ሓበሬታ ናይ ስግኣት ካብ ፖሊስ ኡጋንዳ ከምዝረኸቦ‘ውን እቲ ኤምባሲ ይሕብር።

ኣዛዚ ፖሊስ ኡጋንዳ ኬሊ ካይሁራ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ ግና ከም‘ዚ ዝባሃል ዓይነት ስግኣት ንኤምባሲ ኣሜሪካ ኣይሃብኩን፣ፖሊስ ግና ነቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንክሕሉ ፍልይ ዝበለ ሓለዋ ኣጠናኺሩ‘ሎ ኢሎም።

እቲ መዕርፎ ነፈርቲ፣ሰላም ከምዝኾነ‘ውን ንሶም ገሊፆም።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣መዕርፎ ነፈርቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ድሕሪ ካብ ኣሜሪካ ዝተዋሃበ መጠንቀቂ፣ሓለዋን ፈተሻን ኣሓይለን‘ለዋ።

XS
SM
MD
LG