ስነ-ስርዓት ቃለ-መሓላ እቶም ፕረዝደንት እታ ሃገር ኣብ ማእከል ውጥረት ፖለቲካ ኣብ ዘላትሉ እዋን ዝተኻየደ ክኸውን ከሎ መንግስቲ ቅድሚ’ቲ ስነ-ስርዓት ቃለ-መሓላ ንኩሉ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሓን’ታ ሃገር ምዕጻው ተገሊጹ።
ተቃወምቲ ብወገኖም ንውጽኢት ምርጫ የካቲት 18,2016 ዓ.ም.ፈ ምቕዋም ሕጂ’ውን ይቕጽሉ።
ናብ ስነ-ስርዓት’ቲ ቃለ-መሓላ ዝፍጸመሉ ቦታ ዘምርሑ ዝነበሩ ደገፍቲ ዩወሪ ሙሰቨኒ መለለይ ሕብሪ’ቲ ፓርቲ ዝኾነ ብጫ ክዳን ተኸዲኖም ብዝተፈላለዩ ሙዚቀኛታት ተአጂቦም ኽኸዱ ተራእዮም።
ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተረኽቡ ፕረዝደንት ዩወሪ ሙሰቨኒ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ንሓሙሻይ ጊዜ ፕረዝደንት’ታ ሃገር ኮይኖም ቃለ-መሓላ ፈጺሞም።
ገለ ኣብቲ ክብረ በዓል ዝተረኽቡ ደገፍቶም ካብ ካራሞጃ ዝተባህለ ቦታ ካብ ዋና ከተማ ካምፓላ 480 ኪ.ሜ ርሕቐት ዝርኸብ ቦታ ዝመጹ ምኳኖም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።
እንተኾነ ኣብ ከተማ ካምፓላ ቅድሚ ሓደ መዓልቲ ብዘጋጠመ ተቓውሞ ምክንያት ሓለዋ ፖሊስ ልዑል ምንባሩ’ውን ተገሊጹ።
እዚ ከምዚ’ሉ ኸሎ ቀንዲ ተቓዋሚ ፕረዝደንት ሙሰቨኒ ዝኾኑ መራሒ ተቃወምቲ ኪዘይ በሲጀይ ካብ ዝቀነይሉ ናይ ገዛ ማሕዩር አምሊጦም ኣብ ከተማ ከምዝተራእዩን ፡ እቲ ብኦኦም ዝመራሕ ፓርቲ ድማ ንኪሰይ በዚጀይ ናይ ‘ህዝቢ ፕረዝደንት’ ብምባል ካልእ ናይ ቃለ-ማሕላ ስነ-ስርዓት ምኽያዱ ተፈሊጡ’ሎ።
ብተወሳኺ ፖሊስ ዳግማይ ንኪሰይ በዚጀይ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታው ነቲ ተአኺቡ ዝነበረ ህዝቢ በቲኖም።
ናይ ዓይኒ መሰኻክር ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበርዎ ፖሊስ ንወነንቲ ኣባይቲ ንግዲ ምህራሞምን ሓደ ካብቶም ግዳያት ድማ ሎሚ ነቲ በዓል ከክብር ከምዘይክእል ገሊጹ’ሎ።
ኣቐዲሙ ኣብዚ ወርሒ’ዚ መንግስቲ ጋዜጠኛታት ንምንቅስቃስ ተዋወምቲ ከይጽብጽቡን ከይፍንዉን ከምዝአገደ ይዝከር።
ዩወሪ ሙሰቨኒ ካብ 1986 ዓ.ም.ፈ ጀሚሮም ፕረዝደንት ኡጋንዳ ኮይኖም ኣብ ስልጣን ይርከቡ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኽኣል።