ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኡጋንዳ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት 24 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ምህማም መሬት
ኣብ ኡጋንዳ ዘጋጠመ ምህማም መሬት

ቁጽሪ ኣብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ ኣብ ሓደ መኣከቢ ናይ ጉሓፍ ብዘጋጠመ ምህማም መሬት ዝሞቱ ሰባት ናብ 24 ክብ ምባሉ ንሰበ-ስልጣን ብምYጥቃስ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ኪተዚ ኣብ ዝተባህለ ሰሜናዊ ከባቢ ካምፓላ ተኣኪቡ ዝነበረ ጉሓፍ ብሰንኪ ሓያል ዝናብ ድሕሪ ምህማሙ ኣባይቲ፡ ሰብን ጥሪትን ክቕበሩ ምኽኣሎም ሰበ-ስልጣን ወሲኾም ይገልጹ።

ካብ መንጎ`ቶም ግዳያት ሓሙሽተ ቆልዑት ምዃኖምን ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ሰባት ንምርካብ ጻዕርታት ይካየድ ከም ዘሎን እቲ ዜና ይሕብር። እቲ 14 ሄክታር ዝስፋሓቱ መአከቢ ጉሓፍ፡ ኣብ 1996 ዝተጀመረ ኮይኑ ዳርጋ ካብ ምሉእ ካምፓላ ዝተኣከበ ጉሓፍ ዝጉሓፈሉ`ዩ።

ፕረዚደንት ዩወሪ ሙሰቪኒ፡ ኣብቲ ናይ ምድሓን ስራሕ ሰራዊት`ታ ሃገር ክሳተፍ ዝኣዘዘ ኮይኑ፡ እቶም ሰባት ኣብ ጥቓ `ቲ ሓደገኛ ዝኾነ መጉሓፊ ቦታ ንክሰፍሩ መን ከም ዘፍቀደሎም ክፈልጥ ከም ዝደሊ`ውን ኣፍሊጡ`ሎ።

ኡጋንዳን ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃን በቲ ዝቕጽል ዘሎ ከቢድ ዝናብ ሓደጋታት ይርእያ ከም ዘለዋ ክግለጽ ጸኒሑ`ሎ። ኣብ ደቡባዊ ኢትዮጵያ ዝሓለፈ ሰሙን ኣስታት 250 ሰባት ብምህማም መሬት ምሟቶም`ውን ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG