ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሕማም ዘድሚ ረስኒ ኣብ ኡጋንዳ ምርኣዩ ተረጋጊጹ


ፋይል
ፋይል

ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ብዘድሚ ረስኒ ( ሕማም ማርቡርግ) ሓደ ሰብ ከምዝሞተ አረጋጊጹ።

እቲ ሕማም ዳርጋ ከም ሕማም ኢቦላ ኮይኑ ጉጅለታት ዳሕሳስ ናብቲ እቲ ሕማም ዝተራእየሉ ምብራቓዊ ወረዳ’ታ ሃገር ተዋፊሮም ኣለው።

ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ዶ/ር ጄን ሩት እቲ ሕማም ከምዝተራእየ ኣረጋጊጸን ኣለዋ።

“50 ዓመት ዝዕድሚአን ሰበይቲ ኣብ ቑሸት ቸምሮን ወረዳ ከዊን ኣብ ምብራቃዊ ኡጋንዳ ከምዝሞታ ተረጋጊጹ’ሎ። እዚ ዘድሚ ረስኒ ተመሓላላፊ እዩ ምክንያቱ ንሳ ንሓዋ በቲ ሕማም ተታሒዙ ኣብ ዝነበረ እዋን ትአልዮ ከምዝነበረት ተፈሊጡ’ሎ። ሓዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ብተመሳሳሊ ሕማም ምሟቱ’ውን ይፍለጥ” ኢለን።

ብመሰረት ውድብ ጥዕና ዓለም ሕማም ማርቡንግ ብምትንካፍ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ካብ እንሰሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ሕማም እዩ።

ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ ለበዳ እቲ ሕማም ከይፍጠርን ነቲ ሕማም ብአግኡ ንምግታእ ጉጅለታት ቅድመ ለበዳ ናብቲ ዝተራእየሉ ከባቢ ልኢኹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG