ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ምስ መጥቓዕቲ 2010 ዓ.ም ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰባት ፍርዲ ሂቡ


ፋይል- ሃሩን ማያማ (የማን) ሓደ ካብ ክሱሳት ነሓሰ 12,2010
ፋይል- ሃሩን ማያማ (የማን) ሓደ ካብ ክሱሳት ነሓሰ 12,2010

ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ሎሚ ሓሙስ ምስ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ 2010 ዓ.ም ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰባት ፍርዲ ምሃቡ ተፈሊጡ። እቲ መጥቓዕቲ ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ዝተአኸቡ ሰባት ዝተፈጸመ ኮይኑ 76 ሰባት ምሟቶም ይዝከር።

ኣብ ዋና ከተማ ኡጋንዳ ካምፓላ ኣብ 2010 ዓ.ም ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ ብዝተሓሓዝ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 13 ሰባት ሎሚ ኣብ ትሕቲ ልዑል ናይ ጸጥታ ቁጽጽር ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ካብኣቶም ሽዱሽተ ሰባት ክፍትሑ ከለው እቶም ሸውዓተ ሰባት ነቲ መጥቓዕቲ ኣወሃሂዱ ዝተባህለ ወልቀ-ሰብ ወሲኻ ከምዝተፈረደሎም ተፈሊጡ።

እቲ መጋባእያ ሽዱሽተ ሰዓታት ዝወሰደ ክኸውን ከሎ ዳኛ ኣልፔዝ ኦውኒ ዶሎ ብዛዕባ መስርሕ’ቲ ፈርዲ ከምዚ ኢሎም።

‘ዓቃቢ ሕጊ ንሸከም ናይቲ መዓልቲ ብዘይ ዝኾነ ምክንያታዊ ምጥርጣር ኣብ ልዕሊ ኢሳ ኣሕመድ ሉያማ ኣብዚ ኣብ መጋባእያ ደው ኢሉ ዘሎ ነቲ ኣብ ሶማልያ ብኣልሸባብ ዝተወሃሃደ መጥቓዕቲ ኡጋንዳ ሃንዳሲ ምኻኑ ምቕራቡ ብጣዕሚ ዕጉብ’የ። እቲ መጥቓዕቲ ኡጋንዳ ሰራዊታ ኣብ ናይ ሕብረት ኣፍሪቃ ሰራዊቲ ኣሚሶም ( AMISOM) ብምስታፋ ጥራይ ዝተወሰደ’ዩ። ኢሳ ኣሕመስ ሉያማ ክሱስ ቁጽሪ ሰለስተ ድማ ብክሲ ግብረ-ሽበራ ገበነኛ ኮይኑ ተረኺቡ’ሎ።’

ብጠቅላላ ምስቲ መጥቓዕቲ ብዝተሓሓዝ ኣብ ኡጋንዳ ኬንያን ታንዛንያን 60 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ዝአተዉ እንተነበሩ 13 ጥራይ’ዮም ተከሲሶም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቀረቡ።እቶም ክሱሳት ብሰለስተ ክስታት ግብረ-ሽበራ ብቕትለት 76 ሰባትን ብፈተነ ቕትለት 10 ሰባት ብክልተ ክስታት ምትሕብባርን ሓደ ክሲ ምሕጋዝን ምትሕብባርን’ዮም ተኸሲሶም።

መጥቃዕትታት ኡጋንዳ 2010 ዓ.ም ሰባት ዋንጫ ዓለም ንምዕዛብ ኣብ ዝተአኸብሉ ስታድዮምን ቤት መግቢ ኢትዮጵያዊያን ዘጋጠመ’ዩ ኔሩ።

ኣብዚ ሎሚ ሓሙስ ዝተጋብኣ መስርሕ ፍርዲ ዳኛ ብዓቃቢ ሕጊ ዝቀረበ እቲ መጥቓዕቲ ብኸመይ ከምዝተዋሃደን ዝተካየደን ዝገልጽ መብርሂ ኣንቢቡ።

‘ ነቲ መጥቓዕቲ ኡጋንዳ ንምፍጻም ኣብ ሶማልያ ዝተሓንጸጸ ኮይኑ ኣብቲ መጥቓዕቲ ዝተጠቕሙ ነታጉ ድማ ካብ ሶማል ናብ ኬንያ ብምጉዕዓዝ ገለ ካብኡ ኣብ ስታድዮም ዝተቐብረ ክከውን ከሎ ገለ ድማ ብጻውዒት ቴሌፎን ከምዝነቱግ ዝተዳለወ’ዩ ኔሩ።’

ኣብቲ ሎሚ ዝወዓለ መጋባእያ ተከሰስቲ ብዙሕ ስቃይ ከምዝበጽሖም እንተገለጹ’ኳ ቤት ፍርዲ ግን ንኩሉ’ቲ ዝቀረበ ቃል እምነት ቅቡል ጌርዎ።

ገለ ካብቶም ሎሚ ፍርዲ ዝተዋህቦም ናይ ሞት ፍርዲ ከምዝብየነሎም’ውን ተሓቢሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቤት ፍርዲ ኡጋንዳ ምስ መጥቓዕቲ 2010 ዓ.ም ብዝተሓሓዝ ንሸውዓተ ሰባት ፍርዲ ሂቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:42 0:00

XS
SM
MD
LG