ኡጋንዳ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት ሪኣቶ ዘይትፈልጥ ኣዚዩ ተቐያያራይ ኩነታት ኣየር ገጢሙዋ’ሎ።ምኽንያቱ ድማ ብሰንኪ ኤል-ኒኖ ዝተፈጥረ ምልውዋጥ ኩነታት ኣየር ዓለም እዩ።ኣብ ዝባን ወይ ኣብ ልዕሊ ፓስፊክ ውቂያኖስ ብዝፍጠር ዋዒ ነቲ ልሙድ ናይ ንፋስ ኣንፈት ክቕየር ከሎ እዩ ዝፍጠር ኤል ኒኖ።
ጋድፍረይ ሙጁኒ ሓላፊ ማእኸል ሜትሮሎጂያዊ ሓበሬታ ኡጋንዳ እዮም።ዝናብ ክውቅዕ ትጽቢት ኣብዘይግበረሎም ደረቕ እዋናት እውን ዝናብ ምውቅዑ ክቕጽል እዩ ይብሉ።
እቲ ትንተና ኣብ ኣመዓባብላ ኤል-ኒኖ ዝተመስረተ ከምዝኾነ ዝገለጹ ጋድፍረይ ኤል-ኒኖ ኣይሞተን ቀጺሉ እዩ ዘሎ ኢሎም። 'ኤል-ኒኖ ምትርንዑ እንተቐጺሉ ኣብ ኡጋንዳ ዝናብ ዘይወቕዓሎም ጥርን ለካቲትን እውን ዝናብ ክወቅዕ እዩ’ይብሉ ንሶም።ብምስዓብ 'ኣብ ካልኦት ከባቢታት ድማ ኤል-ኒኖ ምስ ዋዕን ደረቕን ኩነታት ኣየር ይተኣሳሰር።ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ግን ኤል-ኒኖ ከቢድ ዝናብ ምስ ምውቃዕ ዝተኣሳሰረ እዩ።’’ኢሎም
ምሉእ ትሕዝቶ ንምስማዕ አብዚ ይኸአል።