ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩጋንዳ: ተልእኾ ምርግጋእ ሶማል ቅኑዕ ኣንፈት እንተዘይሒዙ ሰራዊታ ክትስሕብ ከምእትኽእል ተገሊጹ


ናይ ኡጋንዳ ፕሬዝዳንት ዩዌሪ ሙሶቨኒ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ናይ ምርግጋእ ተልእኾ ትኽክለኛ ኣንፈተ እንተድኣ ዘይሒዙ ወታደራቶም ካብ ሱማሊያ ንምስሓብ ክንግደድ ንኽእል ኢና ኢሎም።

ትማሊ ሰኑይ ኣብ ካምፓላ ኣብ ዝተኻየደ ዞባዊ ጉባኤ ፀጥታ ምስ ተዛዘመ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብዎ ቃል ኣብ ሱማሊያ ይካየድ ዘሎ ወታደራዊ ተልእኾ ብዕዉት ኣገባብ ኣይስራሕን ዘሎ ኢሎም።

‘’ናብ ሱማሊያ ዝኸድናሉ ምኽንያት ህዝቢ ሱማሊያ ናይ ባዕሉ ሰራዊት ክሃንፅ ንምሕጋዝ እዩ፤ይኹን እምበር ድሕሪ 9 ዓመታት ሰራዊት ኣይፈጠርናን’’ኢሎም።

እቲ ጉዳይ ምስ ሕብረት ኣፍሪካን ሰበስልጣን ሕቡራት መንግስታትን ከምዝተዘራረብሉን ሰራዊት ሱማሊያ ንምህናፅ ድልየ ከምዘሎን እቲ ፕሮግራም ዝሰርሕ እንተኾይኑ ኡጋንዳ ከም እትሕግዝን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG