ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርቲ ሓድነት ኣፈ ጉባኤን ፀሓፍን ቤት ምኽሩ መሪፁ


ናይ ኢህወዴግ ተግባር ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጡ ሓሳብካን ተቓውሞኻን ናይ ምግላፅን ናይ ምውዳብን መሰላት ብጋህዲ ዝጥሕስ እዩ

ሓድሽ ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብ ፈለማይ ጉባኤኡ ኣፈ ጉባኤን ፀሓፍን እቲ ቤት ምኽሪ ምምራፁ ዕላዊ ገይሩ።ኢህወዴግ ኣብ ልዕለይ ፕሮጋንዳዊ መጥቓዕቲ እናፈፀመ ንኣባላት ኣመራርሓይ’ውን ካብ ሕጊ ወፃኢ ኣሲሩ ክብል እቲ ፓርቲ ኣማሪሩ።

ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ንዴሞክራስን ነዚ ዕላዊ ዝገበረ 14 ታሕሳስ 2004 ዓ/ም ብዘውፅኦ ጋዜጣዊ መግለፂ እዩ።ብመሰረት እቲ መግለፂ ንናይቲ ቤትምኽሪ ኣፈ ጉባኤ ካብ መንጎ ዝቐረቡ ሕፁያት ኣቶ ዘካሪያስ የማነ-ብርሃን ብዓብላሊ ድምፂ ተመሪፆም።ኣቶ ትእግስቱ ኣውሎ’ውን ናይቲ ቤት ምኽሪ ፀሓፊ ብምዃን ተመሪፆም ኣለው።

ኣብቲ ዕለት ኣቦ መንበር ፓርቲ ሓድነት ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ሕፁያት ፈፀምቲ ስራሕ እቲ ፓርቲ ነቲ ቤት ምኽሪ ኣቕሪቦም ኣፅዲቖም።ዶ/ር ነጋሶ ድሕሪ እቲ ምርጫ ኣብዘስምዕዎ ሓፂር ዘረባ ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ፓርቶም ይወስዶ ዘሎ ዝበልዎ ስጉምቲ ካብ ሕጊ ወፃኢ እዩ ኢሎምዎ።

መንግስቲ ኢህወዴግ ንውድብና ሽሙ ብሽብርተኝነት ንምፅላምን ካብ ህዝቢ ንምርሓቕን ኣብ ልዕሌና ዓብዪ ናይ ፕሮፓጋንዳ ስራሕ እናፈፀመ ይርከብ ዝበሉ ዶ/ር ነጋሶ ኣስዒቦም ከምዚ ኢሎም ‘’ካብኡ ሓሊፉ’ውን ንኣመራርሓ ኣባላት ውድብና ኣሲሩ ይርከብ።እዚ ናይ ኢህወዴግ ተግባር ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ዝተቐመጡ ሓሳብካን ተቓውሞኻን ናይ ምግላፅን ናይ ምውዳብን መሰላት ብጋህዲ ዝጥሕስ እዩ።’’

ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ብምስዓብ እዞም ተኣሲሮም ዝርከቡ ናይቲ ፓርቲ ኣባላት ኣመራርሓ ንምፍታሕ ዝካየድ ሕጋዊ ፃዕሪ ፓርቶም ንሓዋሩ ካብዝፅበዩዎ ዓበይቲ ስራሕቲ ሓደ ምዃኑ ሓቢሮም።

ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ቀዳማይ ምንስቴር መለስ ዜናዊ ኣብ ፓርላማ ተረኺቦም ብፍላይ ንመድረኽን ሓድነትን መጠንቀቕታ ሂቦም ነይሮም።ገለ ኣባላት እቶም ውድባት ማለት’ውን ገለሰባት ናይ ዓመፅ ስራሕ እናተኣለመ ምዃኑ መንግስቶም ከምዝፈለጠ ብምሕባር ሰባት ነዚ ተግባሮም ዋጋ ክኸፍሉ እዮም ኢሎም ነይሮም።

ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ፍትሕን ኣብዝቕፅሉ ሒደት ዓመታት ብዝበለፀ ብዝህቢ ንኽፍለጥ ጥራሕ እንተይኮነ ንናይ ህዝቢ ፀገማት ብምስማዕን ምስ ህዝቢ ብምዃንን ንቶም ሽግራት መፍትሒ ንምርካብ ፃዕሪ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ።

XS
SM
MD
LG