ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብቲ ህዝቢ ካብ ናይ ደገ ሓይሊ መፍትሒ ናይ ምፅባይ ዝንባለ ኣሎ ይብል ሓደ ተቓዋሚ ፖለቲካዊ ፓርቲ ኢትዮጵያ


ፓርቲ ሓድነት ንፍትሕን ዴሞክራስን ‘’እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ኢትዮጵያን ኣንፈንት መፃኢ ቓልሲን’’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኣብዘዳለዎ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብቲ ህዝቢ መፍትሒ ካብ ናይ ደገ ሓይሊ ናይ ምፅባይ ባህሊ ሓደ ካብቶም ሽግራት እዮም ክብሉ ኣቦመንበር እቲ ፓርቲ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ኣብዘቕረብዎ ናይ መመያየጢ ሓሳብ ሓቢሮም።
ሕድ ሕድ ዜጋ ፖለቲካውን ዴሞክራሲያዊን መሰሉ ንኽሕለወሉ ባዕሉ ክቃለስ ኣለዎ እውን ኢሎም።
ዜጋታት ንምኽባር ናይ ባዕሎምን ናይ ኻልኦትን ዜጋታት መሰል ባዕሎም ኣብ ክንዲ ምቅላስ ንፖለቲካዊ ፓርትታት ምፅባይ፤ውልቀ ሰባት መድሓኒት ከምፅኡልና እዮም ኢልካ ናይ ምፅባይ ዝንባለ’ውን ይርአ፤ናይ ወፃኢ ሓይልታት ወይ’ውን መንግስታት ፀገማትና ክፈትሑልና እዮም ኢልካ ምፅባይ’ውን ኣሎ ኢሎም።
እዚኦም ኩሎም ውፅኢት ኣየምፅኡን ዝበሉ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ እቲ ህዝቢ ብዙሕ ማሕበራውን ኢኮኖሚያዊይን ፀገማት ከምዘለዎ ካብ ምምራርን ካብ ትሒም ትሒምን ወፃኢ ብዕልን ኣብ ኣደባባይን ጓሂዩ ኣይገልፅን ዘሎ ኢሎም።
ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ነዚ ህባዊ ቁጥዐ ወይ ንዴት ፍረ ዘለዎ ምንቅስቓስ ንክኸውን እቲ ህዝቢ ኣብ ሰላማዊ ናይ ፖለቲካዊ ቓልሲ ፍልጠት ንኽህልዎ ግንዛበ ኣብ ምፍጣር እቲ ፈላማይን ዓብዪ ቁምነገርን ክኸውን ከምዘለዎ ገሊፆም።
ፓርቲ ሓድነት ንዴሞክራስን ንፍትሕን ኣብ ቤት ፅሕፈቱ ኣብዘዳለዎ ምይይጥ ካብ መንጎ ዝተኣከቡ ገሊኦም ተሳተፍቲ ኣተሓሳስባ ዶ/ር ነጋሶ ጊዳዳ ናይቲ ህዝቢ ቁጥዐ ዘይተወደበን ዘይተዋደደን ዝበልዎ ትኽክል ኣይኮነን ኢልምዎ ኣለው።
XS
SM
MD
LG