ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

’ውህደት ወይ ቅብፀት’ ይብሉ መራሒ ‘ኣንድነት’


ኢንጂነር ግዛቸው ሽፈራው
ኢንጂነር ግዛቸው ሽፈራው
"ብመሰረቱ ኣንድነት ኣማራፂ ስለዘስኣነ ኣይኮነን ንዓይ ናብ መሪሕነት ዘምፀአ።ኣብ‘ቲ ዝተመረፀ ካቢነ፣ስሳ ሚእታዊ ትሕቲ 35 ዓመት ዝዕድሚኦም እዮም።እቶም ሽዱሽተ ካልኣይ ዲግሪ ኣለዎም።እቶም ሸውዓተ ድማ ዶክተራል ዲግሪ ዝሓዙ‘ዮም።ስለዚ ኣንድነት ሕፅረት ሓይሊ ሰብ የብሉን። ከምዝመስለኒ እዚ ምርጫ‘ዚ ውፅኢት ዲሞክራሲን ድልየት‘ቶም መናእሰይን‘ዩ።መናእሰይ እንተዝመርሕዎ ኣነ‘ውን ሕጉስ‘የ” ኢሎም ንሶም።

ብናተይ እምነት ይብሉ ኢንጅነር ግዛቸው ”ኣንድነት ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ኣብ ጎደና ጥምረትን ግንባርን ክኣቱ የብሉን።ትኹረት ኣንድነት ምውህሃድ ክኸውን ኣለዎ።ሓደ ዓብዪ ሃገራዊ ፓርቲ ክንምስርት ኣለና።ሓደ መሪሕነትን ሓደ ፕሮግራምን ዝውንን ፓርቲ ክቀውምን ንኢህወዴግ ክወዳደሮን ዝኽእል ዝብል እምነት ኣለኒ።እንተዘይኮይኑ በዞም ፈቆድኡ ዝተወደቡ ፓርቲታት ተሓጊዝካ ኣብ ኢትዮዽያ ሰላማውን ዴሞክራስያውን ስግግር ስልጣን ክፍፀም‘ዩ ምባል ዘይሕሰብ‘ዩ”።

ሓድሽ ኣቦ-መንበር ኣንድነት ኢንጂነር ግዛቸው ሽፈራው”ምስ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ሃናፂ ፅምዶ ክህሉ ይግባእ።ኢትዮዽያ ሃገረ ኩላትና‘ያ።ናይ ኢህወዴግን ናይ ተቃወምቲን ሃገር‘ያ።ስለዚ ዴሞክራስያዊ ትካላት‘ውን ማዕረ ንኩሉ ኣብ ረብሓ ክውዕል ይግባእ” ይብሉ።
ሙሉእ ትሕዝቶ‘ታ ቃለ-ምልልስ ይከታተሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:10:24 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG