ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሑ ልኡኽ ፕረዚደንት ባይደን ናብ ሃገሮም ምምላሶም ተገሊጹ


ብዛዕባ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላትን ትግራይ ክዘራረቡ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዝለኣኹዎም ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድን ምኽትል ቀዳማይ ምንስቴርን ምንስቴር ወፃኢን ኢትዮጵያ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ተራኺቦም።

ወሃቢ ቃል ምንስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣማባሳደር ዲና ብዛዕባ እቲ ዑደት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ናይ ፕሬዝዳንት ባይደን ፍሉይ ልኡኽ ዝመርሑዎ ጉጅለ ምስ ቀዳማይ ምንስቴር፣ምስ ምኽትል ቀዳማይ ምንስተርን ምንስቴር ወፃኢን ከምኡ እውን ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዘ ራሪቦም ናብ ሃገሮም ምምላሶም ገሊፆም።

ናይቲ መልእኽቲ ዝዓበየ ነገር ‘’ህልዊ ኩነታት ንምርኣይን ዘሎ ኩነታት ካብ መሪሕነት መንግስቲ ንምርዳእን እዩ’’ ኢሎም።

ኣብ እዋን እቲ ልዝብ ሕጊ ናይ ምኽባር ኢሎም ዝፀውዕዎ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየድ ግጭት መንቀሊ፣እቲ ከይዲን ውፅኢትን ሕዚ ዝርከበሉ ብርክን ብፍላይ ድማ ኣብ ዳግመ ህንፀት ይካየዱ ዘለው ምንቅስቓሳት፣ሰብኣዊ ሓግዝ ንምሃብ እቲ ከባቢ ምኽፋቱ፣ኣብ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝቐርቡ ጥርዓናት በነፃ ኣካላት ናይ ምፅራይ ኣንፈት ምጅማሩን መንግስቲ ድልዊ ምዃኑን ዓለምለኸ ሚዲያ ኣብቲ ቦት ክርከቡ መብርሂ ተዋሂቡዎም ኢሎም።

ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያ ዘሎ እዋናዊ ኩነታትን ከምኡ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ብምዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡዎም ኣሎ ይብል።

ሰኔተር ክሪስ ኩንስ ናብ ሃገሮም ቅምዲ ምምላሶም ትማሊ ምስ ናይ ኢትዮጵያ ሰብላዊ ኮምሽን ኮምሽነር ዶክተር ዳንኤል በቀለ ምዝርራቦ ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይቶም ሰኔተራት ዑደት ብዝምልከት ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ምንስቴር ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ዕላዊ መግለፂ የለን።

ናይ ዩናይትድ ስቴት ልኡኽ ኣብ ትግራይ ይካየድ ዘሎ ግጭት ናይ ፕሬዝዳንት ጆ ባይደን ‘'ከቢድ ስኽፍታ’’ ንምብፃሕ እዮም ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣምሪሖም ።

እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን መግሃስታት ሰብኣዊ መሰላትን ከምኡ እውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ንዝ ህልዎ ሰፊሕ ሓደጋ ዘይምርግ ጋእን ክገልፁሎም እዮም ብመሰረት መግለፂ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት እዩናይትድ ስቴት ስ ጄክ ሱልቫን።

ኣብ መንጎ ሓይልታት ፌደራልን ክልል ትግራይን ኣብ ወርሒ ሕዳር ግጭት ካብ ዝጅምር ኣማዕቲ ኣሕሽሓት ሰባት ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተመዛቢሎምን ኣብ ሱዳን ዕቑባ ሓቲቶምን እዮም።

ኣብ ቀረባ ዝወፀ ሪፖርት ዩናይትድ ስቴትስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ‘’ስልታዊ ምፅናት ዘርኢ’’ ይፍፅም ኣሎ ክብል ደምዲሙ እዩ።ሓይልታት ኢትዮጵያን ንቀዳማይ ምንስቴር ኣብይ ኣሕመድ ብምድጋፍ ኣብ ግጭት ትግራይ ዝተሓባበሩዎም ተዋጋእቲ ሓይልታት ክልል ኣምሓራን ኮነ ተባሂሉን ብብቕዓትን ኣብ ምዕራባዊ ትግራይ ብዝተዋደደ ሓይልን ምፍርራሕን ኣባሪሮምዎም ይብል እቲ ፀብፃብ።

ዩናይትድ ስቴትስ ተፈፂሙ ዝብሃል ገበናት ኵናት ብገለልተኛ ምርመራ ክፃረ ተዊዓ ኣላ።

ኣምባሳደር ዲና ‘'ብወገን ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕን ምትዕርራያት ንምግባርን ድልየት ኣሎ’’ኢሎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG