ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓረብ ኢማራትስ ካብ ናይ ሶማሊላንድ ሓድሽ መደበራ መጥቓዕቲ ክተኻይድ ትኽእል’ያ ተባሂሉ


በርበራ, ዋሽንግተን
በርበራ, ዋሽንግተን

ሓይልታት ዓረብ ኢማራት አብታ ተፈልያ ዘላ ሪፖብሊክ ሶማሊላንድ ዘሎ ሓድሽ መደበር ነፈርቲ ኹናት ከብርሩ ክረአዩ ከምዝኽእሉ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሶማሊላንድ አፍሊጦም።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማሊላንድ ስዒድ ዓሊ ሸሬ ሎሚ ዓርቢ ዓረብ ኢማራት ኣብ ከተማ በርበራ ንዘሎ መደበር ንዝኾነ ዕላማ ስልጠናን ዳህሳስን ወታሃደራዊ ስርሒትን ሓዊሱ ክጥቐምሉ ይክእል’ዩ ኢሎም ኣለው።

በርበራ ካብ ደቡባዊ የመን 250 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርኸብ’ያ፡ ብስዑዲ ዝምራሕን ዓረብ ኢማሬትስ ሓዊሱ ወታሃደራዊ ጥምረት ንደባይ ተዋጋእቲ ሑቱ የጥቕዑ ከምዘለው ይፍለጥ።

እቲ መደበር ገና ይስራሕ’ዩ ዘሎ ግን መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኢማራትስ ኣብኡ መልሕቐን ተኺለን አለዋ።

ንድምጺ ኣሜሪካ ቃለ መጠይቕ ዝሃቡ’ቶም ሚኒስተር ወጻኢ ሶማሊላንድ ዓረብ ኢማራትስ ድሮ ኣብ ወደብ ዓሰብ ኤርትራ ወታሃደራዊ መደበር አለዋን ትጥቀመሉን ኣላ እዚ ናይ በርበራ’ውን ካልእ ዝውሰኽ ሓድሽ ጎንጺ የለን ክብሉ ገሊጾም።

ዓረብ ኢማራትስ ንበርበራ ክትጥቀመሉ ፓርላማ’ታ ሪፖብሊክ ኣብ ዝሓለፈ የካቲት ዘጽደቆ ክኸውን ኸሎ ግን ንሶማሊላንድ አካል ሶማል ጌራ ትረአይ ስለ ዘላ’ዩ፡ ገና ክትዓት ፈጢሩ ዘሎ ኡሎም። ገለ አባላት ፓርላማ ሶማል ፕረዝደንት ሶማል ብዛዕባ’ቲ ውዕል መርገጺ መንግስቶም ከነጽሩ ሓቲቶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG