ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ 1,500 ወታሃደራት ናብ ዶብ ሜክሲኮ ክትልእኽ እያ


ፋይል
ፋይል

ኣብዚ ወርሒ ቁጽሪ ናብ ኣመሪካ ዝኣትው ስደተኛታት ከምዝውስኽ ክኢላታት ኣብ ዝእምትሉ ዘለው ምምሕዳር ፕረዝዳንት ጆ ባይደን ብግዚያዊነት ዶብ ኣመሪካን ሜክሲኮን ኣብ ምውሓስ ንምሕጋዝ 1,500 ወታሃደራት ከምዝልእኽ ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቃል ፔንታጎን ራት ራይደር ን90 መዓልታት እዞም 1,500 ወታሃደራት ኣብ ስራሕ ካብ ዝርከብ ክፍሊ ተመዲቦም ክፍተት ክሽፍኑ እዮም ኢሉ። ወታሃደራት ኣብ ምንቅስቓሳት ሕጊ ምኽባር ከምዘይሳተፉ እውን ወሲኹ ገሊፁ።

እቲ ምደባ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ሓለዋ ዶብ ንዝርከቡ 2,500 ወታሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ዘሐይል እዩ።

ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ንኮቪድ19 ንምምካት ዝወፀ ታይትል42(Title 42) ዝተባህለ ሕጊ 31 ግንቦት ከብቅዕ እዩ።

እቲ ሕጊ ሰበስልጣን ኣመሪካ ሜክሲካዊያን ዘይኮኑ ስደተኛታት ብቕልጡፍ ሒዞም ናብ ሜክሲኮ ክጥርዙ ስልጣን ዝህብ እዩ።

ኣብ ሰኔት ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወፃኢ ዝኾኑ ዴሞክራት ሰነተር ቦብ መንደዝ ምምሕዳር ባይደን ወታሃደራት ንምልኣኽ ምውሳኑ ተቐባልነት የብሉን እቶም ፕረዝዳንት ፖለቲካዊ ነጥቢ ንምቑፃር እዮም ዝፍትኑ ዘለው ክብሉ ነቲ ስጉምቲ ተቓዊሞዎ ኣለው።

ወሃቢ ቃል ዋይት ሃውስ ካሪን ዢን-ፒየር ትማሊ ሰሉስ ከምዚ ዝበለ ምምዳብ ወታሃደራት ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ ኢላ።

XS
SM
MD
LG