ዋሽንግተን —
ኣብ ኣዲስ ኣባባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ነቶም ካብ ጎንጺ ሃዲሞም ኣብ ኢትዮጵያ ተዓቝቦም ከብቅዑ ግዳይ በበይኑ መጥቃዕታት ዝኾኑ ዘለዉ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንምሕጋዝ ዝከኣሎ ክገብር ምዃኑ ኣብ ወግዓዊ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ኣመልኪቱ። መግለጺ ኤምባሲ ኣመሪካ፡ ነቶም ስደተኛታት ብጉዳያት ተመልስቲን ስደተኛታትን ኢትዮጵያን ናብ ዝሓሸ ዝበሎ ቦታ ምዕራብ ጎንደር ንምግዓዞም ዝተገብረ ስጕምቲ ብምንኣድ፡ ነቲ መደብ ንምዕዋት ገንዘባዊን ካልእ ሓገዛትን ክገብር ዘለዎ ድሉውነት ገሊጹ።
ኣብ ክልል ኣምሓራ ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ካብ ዕጡቓት እቲ ከባቢ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ወሪዱና ኢሎም ካብቲ መዓሰከር ወጺኦም ኣብ ኣፍደገ ጽርግያታት ክነብሩ ጸኒሖም’ዮም። ሕቶ እቶም ስደተኛታት ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ናብ ውሑስ ዝብሃል ሳልሳይ ሃገር ክወስዶም ዝጠልብ’ዩ።
ቅጥዒ