ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ብምንዋሕ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ክልል ኣምሓራ ስክፍታኣ ትገልጽ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተነብረ ህጹጽ ናይ ሓደጋ ኣዋጅ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ምንዋሑ ንምምሕዳር ዋሺንግተን ኣዝዩ ዘሻቕል ተራእዮ ምዃኑ ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵጵያ ኣምባሳድር ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ኣካፊሉ።

ኣምባሳድር ማሲንጋ፡ ሃገሩ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ነዊሕ ዝኸደ ምሕዝነት ብምዝኽኻር፡ እቲ ዝተናውሐ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን “ኣሻቓሊ’ዩ፡” ኢሉ። እቲ ኣምባሳድር ወሲኹ፡ “ነቲ ኣብ ክልላት ኣምሓራን ኦሮሚያን ሰፊኑ ዘሎ ቅልውላው ጸጥታ እቲ እንኮ መፍትሒ ዘተ’ዩ፡” ኢሉ። ኣመሪካ ነቲ ኣብ መንጎ በበይኖም ተቐናቐንቲ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንዝግበር ዘተ ምሉእ ድጋፋ ከተርኢ ዘለዋ ድሉውነት’ውን ኣምባሳድር ማሲንጋ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንምንዋሕ ዝሓለፈ ሰሙን ብዓብላሊ ድምጺ ምጽዳቑ ይፍለጥ። ንኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ሓዊሱ፡ በበይኖም ተሓለቕቲ ኣካላት ምንዋሕ ናይቲ ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣብ ጥሕሰት መሰል ዜጋታት ዘለዎ ኣሉታዊ ተራ ስክፍታኦም ኣካፊሎም’ዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG