ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪፓብሊካን ዝዕብለል ሓድሽ ቤት ምኽሪ ዩናይትድ ስቴትስ ስርሑ ጀሚሩ


ሪፓብሊካዊያን ብፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ዝፀደቐ ዝተመሓየሸ ናይ ጥዕና ሕጊ ንምንፃግ ፈተነ ክገብሩ እዮም

ኣፈ ጉባኤ ኮይኖም ዝተመረፁ ሪፓብሊካዊ ጆን ቦነር ኣብ መኽፈቲ እቲ ቤት ምኽሪ ዕላማ እቲ ሓድሽ ኮንግረስ ስልጣን መንግስቲ ናብ ህዝቢ ንምምላስ ምዃኑ ነቲ ቤት ምኽሪ መደረ ከስምዑ እዮም።ነቲ ዝተመሓየሸ ናይ ጥዕና ሕጊ ቀታሊ ስራሕ ከምዝኾነን ኣዚዩ ክባርን እዩ ክብሉ ቦነር ፀዊዕምዎ።

እቲ ናይ ምንፃግ ፈተነ ዝዕወት ኣይመስልን።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ብዝተኻየደ ምርጫ ዓብላልነቶም ዝሰኣኑ ዲሞክራሲያዊያን ኣባላት ቤት ምኽሪ ንናይ ሪፓብሊካዊያን ናይ ምንፃግ ፈተነ ንኣሜሪካዊያን ዝጎድእ እዩ ብምባል ነቒፎምዎ።

ኣብ መንጎ ዲፖክራሲያዊያንን ሪፓብሊካዊያንን ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ኢኮኖሚ ንምትትብባዕ ኣብ ዝግበሩ ፃዕርታት ውዑይ ክርክር ከካይድ ትፅቢት ይግበር።

XS
SM
MD
LG