ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መሻርኽቲ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴይትስ ዝኾኑ መንግስታት ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ብውሽጣዊ ምሕደረኦም ብኣመሪካውያን ተንተንቲ ተወቂሶም


መንግስቲ ዩናይትድ ስቴይትስ ኣብ ቀርኒ አፍሪቃ ካብ ክልተ መሻርኽቱ ብመዳይ ፀጥታ ቀፃሊ ደገፍ ይረክብ ብምህላው መንግስታት ኢትዮጵያን ኡጋንዳን ውሽጣዊ ምሕደረኦም ብዝምልከት ብሸለልታ ይሕለፉ'ለው ክብሉ ኣብ ዩናይትድ ስቴይትስ ዝመደብሮም ተንተንቲ ስግአቶም ገሊፆም።

ብ'ዩናይትድ ስቴይትስ ዝድገፉ ወታሃደራት ወታሃደራት ኢትዮጵያ ንአልሸባብ ንምድፋእ ኣብ ውሽጢ ሶማል ኣብ ዝግስግስሉ ዘለው ፣ ኣብ ኦክሎሃማ ስቴይትስ ዩኒቨርስቲ ኪኢላ ጉዳይ ኢትዮጵያ ቴድ ቨስታል ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ይፍፀም ብዘሎን ቤት-ዕዮ ወፃኢ ዩናይትድ በብዓመቱ ዘውፅኦ ፀብፃብ አተሓሕዛ ሰብአዊ መሰላት ዝምልከት ሰበ-ስልጣን ዩናይትድ ስቴይትስ ምላሽ ዘይምሃቦምን ከምዘሻቅሎም ይገልፁ።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝመደብሩ ማእኸል ስትራቴጂን ዓለም-ለኸ መፅናዕቲ ኪኢላ ጉዳይ ኡጋንዳ ጆኤል ባርካን ብወገኖም ዩናይትድ ስቴይትስ ንኡጋንዳ ሓገዝ ትህብ ዘላ መንግስቲ ኡጋንዳ ምሕደርኡ ኣብ ዘንቆልቆለሉን ግዕዝይና ኣብ ዝነሃረሉ'ዩ ይብሉ።

እቶም ተንተንቲ "ንፖሊሲ ወፃኢ ዩናይትድ ስቴይትስ እቲ ዝዓበየ አገዳሲ ጉዳይ ፀጥታዊ መዳያት'ዩ ዝመስል" ክብሉ ይገልፁ።

ዝርኤ ጭቡጥ ምምሕያሽ ዲሞክራሲ እንተዘይተገይሩ መንግስቲ ዩናይትድ ስቴይትስ ንኽልቲኤን ሃገራት በብዓመቱ ዝህቦ አማእት ሚልዮናት ዶላራት ዘይሰብአዊ ሓገዝ አዝዩ ክንክዮ አለዎ ክብሉ'ውን ክልቲኦም ተንተንቲ ይገልፁ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG