ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ መንጎ መንግስቲን ዕጡቓት ፋኖን ልዝብ ክካየድ ጸዊዓ


ኣመሪካ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓት ፋኖን ልዝብ ክካየድ፡ ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ድማ ዝተጀመረ ልዝብ ክቕጽል ንቐዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሕቶ ምቕራባ ኣፍሊጣ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሎሚ ኣብቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዘዳለዎ ናይ ማንዛ ጋዜጣዊ ርክብ'ዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንምትፍናን ኢትዮጵያን ሶማልን፡ እናበኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ስእነት ምርግጋእ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎን ጉዳይ ሱዳንን ዘትዩ።

ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ናብ ኣፍሪቃ ተጓዒዛ ኣብ ርክብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተረኽበት ምኽትል ጸሓፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞልይ ፊ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክ ሃመርን ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ሱዳን ጆን ጎንፍረይን ተረኺቦም መብርሂ ሂቦምን ካብ ጋዜጠኛታት ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶምን።

ኣመሪካ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ዝተጀመረ ልዝብ ንምቅጻል ኩነታት ከተመዓራሪ ድልውቲ ምዃና ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ተዛሪቦም።

ኣመሪካ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረኣ ግጭት መዕለቢ ክረክብ ትጻወቶ ዘላ ግደ ዝገለጹ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎ ግጭት ብሰላም ክፍታሕ ልዝብ ምስ ዕጡቓት ፋኖ ክጅመር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

“ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኣብ ዳሬሰላም ዝተኻየደ ልዝብ ብቀጥታ ተሳቲፍና ኢና፡ ሕጂ’ውን ንምቕጻል ድልዋት ኢና። እቲ ግጭት ብሰላም ክፍታሕ ኩነታት ንምምዕርራይ ንክልቲኦም ኣካላት ሓሳብ ኣቕሪብና ኣለና። ምስ ፋኖ ልዝብ ክጅመር ኣምባሳደር ማሲንጋ ንመንግስቲ ሕቶ ምቕራቡ ንፈልጥ ኢና። ሰላም ንምርግጋጽ ዘለዉ ዕድላት ብምጥቃም ጻዕርታትና ንምቅጻል ድልዋት ኢና። ብተደጋጋሚ ከምዝበልናዮ ነዞም ግጭታት ብወታሃደራዊ መገዲ ምፍታሕ ኣማራጺ ኣይኮነን። ሕጂ’ውን ጻዕርታት ክካየድ ኣለዎ፡” ኢሎም።

ምኽትል ጸሓፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞልይ ፊ ምስ ቀዳማይ ሚንስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝነበረ ርክብ ሕቶ ልዝብ ሰላም ምልዓሉንን ኣወንታዊ ምላሽ ምርካቡን ሓቢረን ኣለዋ። ንሰን ወሲኸን “ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዘጋጠምዋ ፈተናታት ብሰላም ንምፍታሕ ድልውቲ ምዃና" እቶም ቀዳማይ ሚንስተር ምርግጋጾም ዝገለጻ ሞሊ ፊ ነዚ ድልውነት ብምሕያል ዕጡቓት ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲን ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታ ዘጋጥም ስጉምቲ ከምዘተሓሳሶም ገሊጸን። ኩነታት ጸጥታ ፈታኒ ምዃኑን ንምኽባር መሰል ሲቪልያን ተወሳኺ ጻዕርታት ከም ዘድሊን'ውን ገሊጸን።

ኣብቲ ሎሚ ዝተዋህበ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንልዝብ ድልው ምዃኑ እንተተገልጸ’ውን መዓስን ብኸመይን ዝብሉ ዝርዝር ጉዳያት ግን ካብ መንግስቲ ኮነ ካብቶም ናይ ኣመሪካ ዲፕሎማት ኣይትሓበረን።

ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ወሲኾም ኣመሪካ ኣብ ትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ደገፋ ከምትቅጽልን ተዋጋእቲ ሓይልታት ናብ ንቡር ናብርኦም ንምምላስ ዝተጀምረ ስራሕ ድማ ኣመሪካ ናይ 15 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ከምትህብ ገሊጾም።

ምኽትል ጸሓፊት ጉዳያት ኣፍሪቃ ሞልይ ፊ ኣብ መግለጺኣ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ በበይኑ ወገናት ኣፍሪቃ ተወሊዑ ንዘሎ ግጭታት ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ክትሰርሕን ምሉእ ምትሕብባር ክትገብርን ምዃና ኣበሪሃ። ናብ ሶማል ብምጕዓዝ ምስ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመዱን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድን በብይኑ ርክባት ከም ዝገበረት ዘመልከተት እታ ዲፕሎማሰኛ፡ ክልተአን ሃገራት ንቻርተራት ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ካልእ ስምምዓትን ብዘይጥሕስ መንገዲ ፍልልያተን ክፈትሓ ደጊማ ነቶም ክልተ መራሕቲ ከም ዘዘኻኸረት ገሊጻ። ፊ ወሲኻ፡ መርገጺ መንግስቲ ኣመሪካ ከምቲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝወሰዶ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል ክኽበር ዝጽውዕ’ዩ ኢላ።

ሞልይ ፊ ናብ ሶማል ኣብ ዝተጓዕዘትሉ እዋን፡ ምስ መንግስቲ ሶማል ብምትሕብባር ኣብ ምስፋን ጸጥታን ምክልኻል ግብረ-ሽበራን ክሰርሑ ምስምማዖም’ውን ሓቢራ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG