ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዓመታዊ ፀብፃብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኢትዮጵያን


ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዙሪያ ዓለም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት 2016 ዝምልከት ፀብፃብ ኣውፂኡ።እቲ ሪፖርት ንኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቒፉ’ሎ።

ኣብ ትሕቲ ምልካዊ ስርዓት ፕሬዝዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ እትርከብ ኤርትራ መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ይፍፀሙ ይብል። ዜጋታት ብነፃን ርትዓውን ምርጫ ንመንግስቶም ክመርፁ ዘይምኽኣሎም፣ሰባት ብዘይፍርዲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ማእስርቲ ከምዝእሰሩ፣ኣብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብኣስገዳድ ከምዝሰርሑ፣መቕተልቲ፣ማእሰርቲ ምስዋርን ካልኦት ጨካን ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ኣሎ ይብል እቲ ፀብፃብ።ግዕዝይናን ዘይትሓታትነትን ከምዘሎን መንግስቲ መግሃስቲ ንዝፈፅሙ ሰበስልጣን ከምዘይቐፅዕን ይሕብር።

ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ፀብፃቡ ድማ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ንስልጣን መንግስቲ ጠቕሊሉ ብሓዝ ኣብ 2015 ኣብዝተኻየደ ምርጫ ምስ ኣጋር ውድባቱ ን547 መናብር ከምዝተቖፃፀር ይገልፅ።

ሓይልታት ፀጥታ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ሓይሊ ብምጥቃም ኣብ ምሉእ ዓመት ኣማእቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፈኛታት ተቐቲሎም ካልኦት ብዙሓት እውን ቆሲሎም ይብል እቲ ፀብፃብ።መብዛሕቲኦም ተቓወሞታት ኣብ ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ከምዝተኻየዱ ብምግላፅ ክሳብ መወዳእታ 2016 ልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ነይሮም ተባሂሉ ከምዝእመንን ናብ ፍርዲ ከምዘይቀረቡን ጠበቓታት ናይ ምርካብ ዕድል ከምዘይረኸቡን ይገልፅ።

ንናይ ኣምነስቲ ኢንተርናሽና ፀብፃብ ብምጥቃስ ካብ ሕዳር 2015 ኣ/ፈ ጀሚሩ ልዕሊ 800 ሰባት ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ’ሎ።

ብሃበ ተረኽበ ምቕታል፣ምስዋርን ካልኦት ጭካነ ዘለዎም ኢሰብኣዊ መቕፃዕትን ከምዝፍፀሙን መንግስቲ ግዕዝይና ንዝፍፅሙ እምበር እምበር መግሃስቲ ንዝፍፅሙ ሰበስልጣን ኣይቐፅዕን ይብል እቲ ፀብፃብ።

XS
SM
MD
LG