ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ንኣሳታፊ ዘተን ምዕራፍ ጎንጽታትን ይጽውዕ


ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪንግ ማሲንጋ
ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪንግ ማሲንጋ

ኣምባሳድር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርቪንግ ማሲንጋ፡ ሎሚ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ኣብቲ መእከቢ ቦታ ግቢ ኣብ 1937 ንዝተፈጸመ ቅትለት ብምዝካር ኣገዳስነት ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንምውጋድ ጎንጺ ዘድሊ ክፉት ዘተን ዘርዚሩ።

ኣምባሳድር ማሲንጋ ኣብ መድረኡ ኣብ በበይኑ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝርአ ዘሎ ግጭታት ብምጥቃስ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰለማዊ መንገዲ ዝዓረፍሉ ኣገባብ ከናዲ ጸዊዑ። ኣብቲ ክህሉ ዝድለ ክፉት ዘተ በበይኖም ኣካላት ድማ መንግስቲ ኣመሪካን ካልኦት መሻርኽቲን ዝከኣሎም ክግበሩ ምዃኖም ቃል ሂቡ።

“ኣሳታፊ፡ ሓቛፊን ናጻን ፖለቲካዊ ዘተ ንርግኣት ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ኣዝዩ ወሳኒን ፖሊሲ ኣመሪካ ዝድግፎን’ዩ፡” ዝበለ ኣምባሳድር ማሲንጋ፡ በቲ ኣጋጣሚ ድማ እቲ ዝካይድ ዘሎ በበይኑ ጎንጽታት ዓሪፉ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ዝኽበረሉ እዋን ክርኢ ዘለዎ ተስፋ ኣካፊሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG