ዋሽንግተን —
ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋን ምኽትል ሚንስተር ማይን ጸዓትን ኢትዮጵያ ኣሰፋው ዲንጋሞን ሎሚ ዓርቢ 3 ሕዳር 2023 ወግዓዊ ዝገበርዎ ክልተ ፕሮጀክትታት፡ ኡርባን ዎሽ (Urban WASH) ከምኡ ድማ ክላይመት ሪሳይለንት ዎሽ(Climate Resilient WASH) ዝብል መጸውዒ ቃል ዝተዋህቦ ኮይኑ፡ እቲ ሓደ ኣብ 10 ከተማታት ዕድላት ጽሩይ ማይ፡ ጽሬየትን ዓይኒ ምድርን ዝምልከት ኮይኑ፡ እቲ ካልእ ድማ ኣብ ገጠራት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ኣብ ክልላት ዓፋር: ኦሮሚያ: ሶማሊ ከምኡ`ውን ኣብ ክልላት ማእከላይ ኢትዮጵያ ዝስርሓሉ`ዩ።
ነቲ ፕሮጀክትታት ዝምውል ትካል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ(ዩ.ኤስ.ኤ ኣይ.ዲ) ንነብስወከፍ እተን ፕሮጀክትታት፡ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝጸንሕ 45 ሚልየን ዶላር ከም ዝመደበ ኣብቲ እዋን ተጠቒሱ`ሎ።
በተን ፕሮግራማት ኣቢሉ ዩ.ኤስ.ኤ.ኣይ.ዲ ክሳብ 2028s፡ 900 ሺሕ ኢትዮጵያውያን ናይ ማይ ዕድላት ክውልዎም፡ ካልኦት 800 ሺሕ ድማ መሰረታዊ ኣገልግሎት ጽሬት ክረኽቡ ይሕልን።
ቅጥዒ