ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

`ካብ ዝመጻና ንምጻእ፡ ኣፍሪቃዊ ድምጺ ክንፈጥር ኣለና` መልቭን ፉት- ፕረዚደንት ሲ-ኤፍ-ኤ


`ካብ ዝመጻና ንምጻእ፡ ኣፍሪቃዊ ድምጺ ክንፈጥር ኣለና` መልቭን ፉት- ፕረዚደንት ሲ-ኤፍ- ኤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:57 0:00

`ካብ ዝመጻና ንምጻእ ፡ ኣፍሪቃዊ ድምጺ ክንፈጥር ኣለና` መልቭን ፉት- ፕረዚደንት ሲ-ኤፍ- ኤ

ሲ-ኤፍ-ኤ ዝተባህለ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ዘይመኽሰባዊ ትካል ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ፖሊሲታት ኣመሪካ ኣብ ምትዕርራይ ዝተሓጋገዝ ክኸውን ከሎ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ`ውን ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ዕዙዝ ተሳትፎ ከርእዩ ይሰርሕ ኣሎ። ፕረዚደንት`ቲ ማሕበር መልቪን ፉት፡ መንግስቲ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ዘለዎ ሽርክነት ካብቲ ዝነበረ ይሓይሽ`ምበር ሎሚ `ውን ዘዕግብ ኣይኮነን ይብል።

ዕላማ ኮንስቲቱወንሲ ፎር ኣፍሪቃ ማለት ድምጺ ውክልና ንኣፍሪቃ ፡ ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ፖሊሲ ኣመሪካ ዝሓሸ ቅርጺ ንምትሓዝ `ዩ ይብል መስራትን ፕረዚደንትን`ቲ ትካል። እዚ ቅድሚ 25 ዓመታት ዝተመስረተን ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝመደበሩን ትካል ዝተፈላለዩ ማሕበራትን ጸለውቲ ውልቀሰባትን ሒዙ ይንቀሳቐስ። ኣመሪካውያን ብዛዕባ ኣፍሪቃ ዘለዎም ኣፍልጦ ንምብራኽን ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ድማ ምስታ ኣሰር ትውልዶም ዝኾነት ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምትእስሳር ክገብሩ ይሰርሕ። ነቲ ትካል ዝመርሕ መልቪን ፉት፡ ኣብ 1970`ታት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣባል ወለንተኛታት ፒስ-ኮር ኣመሪካ ኮይኑ ዝሰርሐን መምህር ኮይኑ ዘገልገለን`ዩ። ከምኡ `ውን ኣብ ሶማል ወኪል ኣፍሪኬር ዝብሃል ገባሪ ሰናይ ትካል ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪዚ ነዊሕ ተመክሮ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ኣገዳሲ ኮይኑ ዝረኸቦ ስራሕ ናብ ኣፍሪቃ ዝቐንዐ ፖሊሲ ኣመሪካ እኹል መረዳእታ ንኽረክብ ምስራሕ ምዃኑ ይገልጽ:: በዚ ድማ Constituency for Africa(ሲ-ኤፍ-ኤ) ዝብል ትካል ከም ዝምስረት ጌሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG