ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ሰነተራት ኣሜሪካ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ዑደት ኣብ ኢትዮጵያ አካይዶም

  • እስክንድር ፍሬው
  • ምንያ ኣፈወርቂ

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ዘካየዱ ሰነተራት ኣሜሪካ ጀምስ ኤነፋን ማይክል ኤንዚ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቦም፡ ተዘራሪቦም።

ርክብ ክልቲአን ሃገራት እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ እዋን’ቲ ዝርርብ ካብ መንጎ ዝተላዕሉ ጉዳያት ምኳኖም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ሓቢሩ’ሎ።

ኣሜሪካ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራትን ህዝብታትን ዘሎ ርክብ ትህቦ ቦታን ከምዝገለጹ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ።

ኣሜሪካ ጸጥታ’ቲ ከባቢን ርክብ ቁጠባ እዘን ሃገራት ዝአመስሉ ጉዳያት ብዝምልከት ምስ ኢትዮጵያ ብሸሪክነት ንምስራሕ ዘለዋ ድልውነት’ውን እቶም ሰነተራት ከምዘረጋገጹ ገሊጹ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ጻዕሪ ሰላም ቤት መኽሪ ዓለም-ለኸ ኣብያተ ክርስትያናት ኣብ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG