ዋሽንግተን —
ሚንስትር ጥዕና ኬንያ ምስ ለበዳ ሸሮኽ (ኮሌራ) ብዝተሓሓዝ ክልተ ዓበይቲ ሆቴላት ከተማ ናይሮቢ ምዕጻው ሓቢሩ።
እቶም ሆቴላት መግቢ ዘቅረብሉ ሓደ ግብዣ ለበዳ ሸሮኽ ብምርኣዩ ከምዝተዓጽው ተፈሊጡ’ሎ።
ሶን ቫለንሽያን ዳካራንዳ ዝተባህሉ እዘን ሆቴላት ድሕሪ ሓደ ግብዣ ምዕጻዎም ሚንስትሪ ጥዕና እታ ሃገር አረጋጊጹ።
አብቲ ናይ ንግዲ ኤክስፖ ዝተረኽቡ ሓያለ ልኡኻት ነቲ መግቢ ድሕሪ ምምጋቦም ሓሚሞም ናብ ሆስፒታላት ምስ ኸዱ ምልክታት ማይ ወሊድ ሕማማት ምርኣዮም፡ አብቲ ኤክስፖ ክልተ ሚንስተራት ተኻፊሎም ምንባሮም በቲ ለበዳ ምትንኻፎም’ውን ተገሊጹ’ሎ።
ሚንስትሪ ጥዕባ ኬንያ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ሕማም ኮሌራ ክኸውን ይኽእል’ዩ ዝተባህሉ 336 ሕሙማት ሰባት ከምዝተመዝገቡን ሰለስተ ድማ ምሟቶም ገሊጹ’ሎ።