ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ተወላዶ ክሊ ትግራይ፡ ኣብ ጉዳይ ምርጫ ኢትዮጵያ ይካትዑ


ንገዛኢ ፓርትን ተቓወምትን ማዕረ ዕድል ዝሃበ ምርጫ ነይሩ`ዶ ዝብል ኣርእስቲ ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ተወላዶ ትግራይ በሊሕ ኣፈላላይ ይፈጥር

ኣብ U.S ክፍለግዛኣት ኣሪዞና ዝነብር ኣቶ ብስራት ከበደ ንገዛኢ ፓርቲ ደጊፉ ኣብ ዘቕረቦ ሞገተ፡ኢህወደግ ካብ ምርጫ 2005 ትምህርቲ ብምቕሳም ዝወሰዶም ስትራተጂታት ነቲ ዓወት ኣብቂዕሞ`ዮም ይብል። ንሳቶም`ውን ኣብ ዕብየት ዘመዝገቦም ዓወታት፡ ተቓወምቲ ነንሕድሕዶም “ሕቖን ከብድን” ብምዃን ኣብ`ታ ሃገር ኸስዕቦ ዝኽእል ጠንቅታት ካልእን ዝጥቀሱ ምኽንያታት`ዮም ይብል።

ኣብ ግዝኣት መሪላንድ ዝነብር ኣቶ በላይ ገሰሰ ብወገኑ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ንናጻ ምርጫ ዝፈቅድ ኣይኮነን፡ ባህሪይ ናይቲ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓት`ውን ኣይኮነን ኢሉ። ኣተሓሒዙ፡ ንትካላት ፍትሒ፡ ፀጥታ፡ ሚድያ፡ ቦርድ ምርጫ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ጌሩ ዲሞክራሲያዊ ምርጫ ከካይድ ዘይሕሰብ`ዩ፡ “ብራዕድን ሽበራን” ዝተኻየደ ምርጫ`ዩ ድሕሪ ምባል ፡ኢህወደግ ድማ ዳርጋ ምሉእ ንምሉእ ስዒረ ምባሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዓለም መንነቱ ዘቃልዔ ፍጻመ ከምዝነበረ ይገልጽ።

ንምሉእ ትሕዝቶ`ቲ ክትዕ ንምስማዕ፡ ኣብ`ቲ ናይ ድምጺ ምልክት ጠውቕ

XS
SM
MD
LG