ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንብረቶም ዝተዘመቱን ዝዓነዎምን ክልተ ነጋዶ ከተማታት ሚኒያፖሊስን ራችስተርን (1ይ ኽፋል)


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ኣሜሪካ ክፍለ ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሚኒያፖሊስ ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብፖሊስ ምቕታሉ ስዒቡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዝተላዕለተ ቓውሞን ናዕብን ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰብ ሞትን መቑሰልትን ኣብ ልዕሊ ብቢሊዮናት ዶላር ዝግመት ንብረት ድማ ዕንወትን ወራርን ተፈፂሙ።

ኣብ ናይ ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራዊያንን ትካላት ንግዲ እውን ብዙሕ ዕንወትን ወራርን ወሪዱ።ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሚኒያፖሊስን ከባቢኡን ዝርከቡ ኣብያተ መግቢ ሓበሻ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ትካላት ንግዲ ተቓፂሎም፣ዓንዮምን ተወሪሮምን እዮም።

ብልዕሊ 1,600 ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ ክልተ ነጋዶ ኣብ ናይ መዓልታት ፍልልይ ብሰንኪ ሞት ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍልዮድ ዝተልዓለ ህውከትን ናዕብን ናይ ንግዲ ትካላቶም ብዕስለ ከምዝተዘመቱ ይገልፁ።

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ኣማኑኤል ብርሃነ ባህልቢ መንቀሊ ናይዚ ኹሉ ተቓውሞ ሰልፊን ናዕብን ምኽኒያት ዝኾነ ሞት ኣፍሪቃዊ ኣሜሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ዝተቐትለላ ከተማ ሚኒያፖሊስ ይነብር። ‘’እቲ ሰብ(ጆርጅ ፍሎይድ) ኣፀቢቕና ኢና ንፈልጦ።ዘይጓዳእ ሰብ እዩ ነይሩ’’ ክብል ዝገለፆ ንሱ እቲ ቕትለት ዝተፈፀመሉ እውን ካብ ፍርቂ ማይል ዘይርሕቕ ምዃኑ ብምግላፅ ኣብቲ ቅትለት ዝተሳተፉ ፖሊሳት ዘይምእሳሮም ዓብይ ጌጋ ነይሩ ይብል።ምስ ካልኦት ሰባት ኮይኑ ንብረቱ ንምክልኻል ፈቲኑ እንተነገበረ እውን ልዕሊ ዓቕሙ ብምኳኑ ገዲፍምዎ ከምዝኸዱን ንመዋእሉ ዝደኸመሉ ንብረት ከምዝተዘመተን ገሊፁ። ‘’ብኢንቨተሪ ዝተረጋግተፀ ጥራሕ 235,000 ዶላር ናይ ክፍሊት መሕተቲ \ኢንቮይስ\ ንኢንሹራንስ \መድሕን\ ኣረኪበ’’ ይብል።

ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ኣማኑኤል በርሀ ባህልቢ ትካሉን
ኤርትራዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ኣማኑኤል በርሀ ባህልቢ ትካሉን

ኣብ ክፍለ ግዝኣት ኒው ዮርክ ከተማ ራችስተር ዝነብሩ ኣቶ ቶላ ሮብሶ ምስ ስድርኡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝደኸምሉ ኣስታት ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ንብረቶም ኣብ ሓንቲ ምሸት ተዘሚቶም ።መሸጢ ኣልኮላዊ መሰተ \Liquor Store\ 30 ግንቦት 2020 ብዘረፍቲ ተዘሚቱ።

ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ቶላ ሮብሶ ትካሉን
ኢትዮጵያዊ ኣሜሪካዊ ኣቶ ቶላ ሮብሶ ትካሉን

‘’ኣብ ልዕሊ ጆርጆ ፍሎይድ ዝተፈፀመ ግፍዒ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣብ ዝኾነ ይኹን ዘርኢ ደቂ ሰባት ክፍፀም ዘይብሉ ግፍዒ እዩ’’ ዝበለ ኣቶ ቶላ ሮብሶ ይኹን እምበር ነዚ ንምቅዋም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ንብረት ሰሪሖም ዝሓድሩ ዝተፈፅመ ወራርን ዕንወትን እውን ዘጉሂ እዩ ይብል። ‘’እቲ ወራር ቀዳም ክፍፀም ቅድሚኡ ሓሙስ ናይ $60,000 ዶላር ዓርቢ ድማ ናይ $70,000 ሽሕ ዶላር መስተ ኣራጊፈ።ኣብ ውሽጢ ዝነበረ ሓዊሱ ካብ $450,000 ክሳብ ፍርቂ ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ንብረት ተወሪረ’’ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል ።


XS
SM
MD
LG