ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሶማል፡ ብናይ ደባይ መጥቓዕቲ ኣልሸባብ ክልተ ወታሃደራት ሶማልን 12 ሚሊሻን ሞይቶም


ዕጡቓት ኣል-ሸባብ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ማእኸላይ ሶማል ይጉዓዛ ኣብ ልዕሊ ዝነበራ ኮንቨይ መካይን መጥቓዕቲ ፈፂሞም እንተወሓደ ክልተ ወታደራት ሶማልን 12 ሚሊሻን ተቐቲሎም።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ልዕሊ ንኣማሓዳሪ ዞባ ሒራን ዓሊ ጀየቲን ካልኦት ላዕለዎት ወታደራዊ ሰበስልጣንን ዓጂበን ይጉዓዛ ንዝበራ መካይን ምክያዱ ተፈሊጡ’ሎ።

ክብሉ ኣብቲ ዞባ ኣዛዚ ወታደራት መንግስቲ ሶማል ጀነራል ኣሕመድ መሓመድ ተርዲሸ ‘’ን12ቲኦም ቀቲልና ክልተ ወታደራትና ድማ ስኢና ኣለና’’ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG