ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ክልተ ተኸሰስቲ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብዘጋጠሞም ማህረምቲ ምሟቶም ኣብ መጋባእያ ፈደራል ቤት ፍርዲ ተገሊጹ


ኣብ ፌደራል ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተኸሲሶም ካብ መአረሚ ቦታ ዝመላለሱ ክልተ እሱራት ተቐጥቂጦም ህይወቶም ምሕላፉ ሎሚ ረቡዕ ቤት ፍርዲ ምግላጹን ነቲ መጋባእያ ክከታተል ዝወዓለን ነገረ-ኢትዮጵያ ተባሂላ ትፅዋዕ ናይ ዝነበረትን ጋዜጣ ዋና ኣሰናዳኢ ጌታቸው ሽፈራው ንሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ገሊፁ።

ብእኒ ብስራት ብርሃኑ ዝፅዋዕ መዝገብ ክርኢ ዝተጋብአ ቤት ፍርዲ ሳልሳይ መጋባእያ ገበን ኩልሻዕ ይከታተሎ እየ ዝበለ ሕትመታ ናይ ዝተቋረፀት ጋዜጣ ነገረ-ኢትዮጵያ ዋና ኣሰናዳኢ ጌታቸው ሽፈራው ክልተ ተኸሰስቲ ብማህረምቲ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ህይወቶም ምስኣኖም ኣብ መጋባእያ እቲ ቤት ፍርዲ ምግላጹ ይሕብር።

“ኣለማየሁ ዋቄ ይብሃል።ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ኣይመፀን።ስለ ምንታይ ኣይመፀን ንዝብል ሎሚ ተገሊፁ’ሎ።ብህይወት የለን እዩ ተባሂሉ።ጳውሎስ ሆስፒታል እውን ውፅኢት ሕክምና ልኢኹ እዩ።እቶም እሱራት እውን እቲ ሰብ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ብምግላፅ ብፍላይ ብስራት ኣበራ ዝተበሃለ ተኸሳሲ መበል 15 ተኸሳሲ ምስኡ ሓቢሩ ከምዝተቐጥቀጠን እናርኣኹዎ ኣብ ቅድመይ ቀጥቂጦምዎ፣በዚ ምኽንያት እዩ ህይወቱ ስኢኑ ኢሉ” ክብል ጌታቸው ሽፈራው ገሊጹ።

ጌታቸው ብተወሳኺ እዚ ዝተፈልጠ ተኸሰስቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ማእሰርቲ ዝለዓለ መውቃዕቲ ይፍፀመና’ሎ ዝብል ጥርዓን ብምቕራቦም ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣፃሪዩ ሪፖርት ከቕርብ ብመሰረት ዝተወሃበ ቆፀሮ ምዃኑ ይገልፅ።

ንሱ ብተወሳኺ መዋቲ ኣለማየሁ ዋቄ ክቐትሉኒ እዮም፤ካብ ቤት ማእሰርቲ ኣውፅኡኒ ክብል ነቲ መጋባእያ ጠሪዑ ከምዝነበረ ተኸሰስቲ ነቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቡዎ ጥርዓን ገሊፆም ነይሮም ይብል።

ነቲ ጉዳይ ክርኢ ዝወዓለ ቤት ፍርዲ ንኣማውታ ኣለማየሁ ዋቄ ዝምልከት ካብ ጳውሎስ ሚሊኒየም ሆስፒታል ውፅኢት ምርመራ ከምዝመፀን መዋቲ ኢንፌክሽን ነይሩዎ ምባሉ ይገልፅ።ቤት ፍርዲ ሎሚ ዘይቀረበ ናይ ሰብኣዊ መሰል ኮሚሽን ሪፖርት ንምስማዕ ተለዋጢ ቆፀሮ ከምዝሃበ ገሊፁ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG