ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ዓረና ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ማእሰርቲ ተፈቲሖም


ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሴ
ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሴ

ክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ ዓረና ትግራይ/መድረኽ ኣብ ከተማ መቐለ ሎሚ ረቡዕ ንሓሙሽተ ሰዓታት ተታሒዞም ድሕሪ ምጽናሕ ከምዝተፈትሑ ኣፍሊጦም።

እቶም ዝተኣስሩ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዓረና ትግራይ/መድረኽ ኣቶ ዓንዶም ገብረስላሴን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ዓረና ትግራይ ኣቶ ዘነበ ሲሳይን ምዃኖም ኣቶ ዓንዶም ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ትግርኛ ገሊጾም ኣለው።

ቤት ጽሕፈት ፓሊስ ጣቢያ ሓውልቲ ግን ዝተኣስረ ይኹን ዝተትሓዘ ሰብ የለን ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝትኡ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ፓርቲ ዓረና ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ሰዓታት ማእሰርቲ ተፈቲሖም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:02 0:00

XS
SM
MD
LG