ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ፈረንሳዊያን ተመራመርቲ ምስ መጥቃዕቲ ቆንስል ሩስያ ዝተሓሓዝ ተኸሲሶም


ቆንስል ሩስያ ኣብ ከተማ ማርሰል ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ
ቆንስል ሩስያ ኣብ ከተማ ማርሰል ድሕሪ'ቲ መጥቃዕቲ

ኣባላት ኤጀንሲ ምርምር ፈረንሳ ዝኾኑ ክልተ ውልቀሰባት ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቆንስል ሩስያ ኣብ ከተማ ማርሰል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሙ ምእማኖም ዓቃብ ሕጊ’ታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ውልቀሰባት ኣብ ጉዳይ ኲናት ሩስያን ዩክሬንን ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ነቲ ተተኳሲ ናብቲ ቆንስል ምድርባዮም ተኣሚኖም ኣለዉ።

ሰለስተ ተተኮስቲ ዝሓዙ ጠራሙዝ ናብቲ ቆንስል ምድርባዩን ክልተ ምፍንጃሩን እንተኾነ ግን ኣብ ህይወት ሰብ ጉድኣት ከም ዘይበጽሐ ይዝከር።

ሩስያ ነቲ ፍጻመ “መጥቃዕቲ ግብረ ሽበራ’ዩ” ብምባል መንግስቲ ፈረንሳ ናቱ መርመራ ከካይድ ከምኡ’ውን መርማሪ ኮሚተ እታ ሃገር’ውን ነቲ ጉዳይ ከም ዝከታተል ገሊጻ አላ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG