ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ተአሲሮም ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራዊያን ጋዜጠኛታት ተፈቲሖም


ተስፋልደት ኪዳነ(ጸጋም)ን ሳልሕ ጋማን (የማን)
ተስፋልደት ኪዳነ(ጸጋም)ን ሳልሕ ጋማን (የማን)

ን10 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ምስጢራዊ ቤትማእሰርቲ ዝጸንሑ ክልተ ኤርትራውያን ጋዜጠኛታት ኣብ`ዚ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ከምዝተፈትሑ ይግለጽ ኣሎ።

ጋዜጠኛታት ተሌቪዥን ኤርትራ ዝነበሩ ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ ጋማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተፈትሑ፡ ኣባላት ስድራቤት ጋዜጠኛ ተስፋልደት ኪዳነ ንድምጺ ኣሜሪካ ቋንቋ ትግርኛ ዘረጋገጹ ክኾኑ ኸለዉ፡ ተጣበቕቲ ናጻ ፕረስ`ውን ኣፍሊጦም ኣለዉ።

ሳልሕ ጋማ ናብ ኤርትራ ከምዘምርሐ`ውን እቶም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ተስፋልደት ኪዳነን ሳልሕ እድሪስ ጋማን፡ ኣብ 2006 ዓ.ም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ንደቡባዊ ሶማል ኣብ ዝወረረሉ እዋን፡ ኣብ ዶብ- ኬንያ ከምዝተታሕዙ ኮሚቴ ተሓላቒ ጋዜጠኛታት ጠቒሱ ኔሩ።

ብዛዕባ ምፍታሕ`ቶም ጋዜጠኛታት፡ ካብ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኾነ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ዛጊት የለን።

ክልቲኦም መንግስታት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብምእሳር ጋዜጠኛታት ብቐዳምነት ዝስርዑ ምኳኖም፡ ሲ-ፒ-ጀይን ካልኦት ተጣበቕቲ ናጻ ፕረስን ብተደጋጋሚ ክገልጹ ምጽንሖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG